Awate.com

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤርትራን ፡ ብመንጽር ሰላምን ደሞክራስን Dr Yousif B

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቶ ማዕርነትን፡ ናይ ምውዳብ ነጻነትን፡ መሰል ምጽሓፍን ምዝራብን፡ ብሓጺሩ ኣካል ዲሞክራስን ሓርነታዊ መሰላትን ዝኾኑ ኩሎም፡ ዲሞክራስያዊ ባህልን ምሕደራን ኣተኣታቲኻን መንገዱ ተኸቲልካን ደረጃ ብደረጃ ናብ ብትካላት ዝሰረተ ምዕቡል ዲሞክራሲ ዘይምስጓም፡ ንኣህዛብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ካብ’ቲ ብኣሉታ ከምዝኖምን ክገልጾምን ዝጸንሐን ዘሎን ኣሰካፊ ጉዳይ’ዩ። እዚ ወድዓውን መሰረታውን ዝኾነ ሕቶታት ከይተመለሰ እንከሎ፡ ካብ ባርነትን ድኽነትን ክትገላገል ይኹን፡ ቁጠባዊ ርእሰ-ተኽእሎ ከተረጋግጽ፡ ከምኡ’ውን ብቑዕ ምምሕዳራዊ ዓቕምታት ክትውንን፡ ከቶ ዘይሕሰብ ምዃኑ ጌና ከሎ ኣጸቢቕና ከነስተውዕሎን ክንሓስበሉን የድልየና።

ከም’ዚ ሎሚ ንሪኦን ንዕዘቦን ዘለና ከይኮነ ከሎ፡ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ካልኦት ስልጡናት ሃገራት እስያን፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝሓለፈ መዋእለን ምዕባሌአን ድሑራት ከም ዝነበራ ዝሓለፈ ቀረባ ታሪኸን ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ነቲ ከቢድን መሪርን ዝነበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ሰብኣውን ኩነታተን ክሰግረኦ ዝኸኣላ፡ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ሰፍ ዘይብል መስዋእትነት እናተኸፍሎ ዝተኻየደ ደም ምፍሳስን፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝቐጸለ ውፉይን ዘይሕለልን ህዝባዊ ቃልስን ምዃኑ ይረጋግጽ። ክንዲ ዝኾነ፡ ነዚ ሎሚ በጺሐንኦ ዘለዋ ቁጠባዊ ጸጋታትን፡ ሰላምን፡ ራህዋን፡ ቅሳነትን ዲሞክራስያዊ ምዕባለን ባይታ ዝጸረገለን ንሱ ምንባሩ ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ’ዩ። ካብ’ዚ ተመኩሮ’ዚ ንመሃሮ እንተልዩ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ አርዑት ግናይ ምሕደራን፡ ኣፍራሲ ቅዋምን፡ ግዕዙይ ኣተሓሳስባን፡ አዕናዊ ተግባራትን መራሕቲ ህግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ዘሕልፎ ዘሎ ጸበባን ስቅያትን ንሓዋሩ ዝቕጽልን ነባርነት ዘለዎን ከምዘይኮነ ይበርሃልና። ነዚ ኣብነት ከነቕርብ እንተዀንና፡ ትማሊ ንኤርትራ ምውራርን ምጭፍጫፍን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቅድም ክብል ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝጭቁኑ ዝነበሩ ዓመጽቲ ሃጸያውያን ነገስታትን፡ ድሒሮም እግሮም ብምኽታል ስልጣን ዝጨበጡ ፋሽሽታውያን ደርጊ ሰብ ጽሩራን ተሳዒሮም ኣሰር ዘይብሎም ድሕሪ ምድምሳሶም፡ ጐረቤትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 19 ዓመታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንቕድሚት ክትስጉም ምጽናሓን ምህላዋን ንምልከት ምህላውና’ዩ። ሎሚ ኢትዮጵያን ህዝባን ካብ ድቕድቕ ጸላም ናብ ብርሃን ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለናን። እቲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ተኻታታሊ ምርጫታት፡ ምስ’ዚ ሕጂ ዝተኻየደ ምርጫታት ደሚርና ክንሪአ እንከሎ ድማ፡ ሰላም ድምክራስን እናሓደረ ይስስን ምህላዉ ዝሕብር እኹል ኣብነት ምዃኑ የመላኽተና።

ጉዳይ ምርጫ ንበይኑ ኣልዒልካ ክረአ እንከሎ ግን፡ ኣብ መንጎ ዓመጻውን ፍትሓውን ኣገባብ ምርጫታት ዘሎ ፍልልያት ጽቡቕ ጌርካ ምፍላጥ ዘድሊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ነዚ ተገንዚብካ ቅኑዕን ፍትሓውን ምርጫ ምክያድን፡ ውሳኔ ህዝቢ ብጸጋ ምቕባልን ፖለቲካዊ ሓላፍነት ኩሉ ወዲ ሃገር ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እዚ ዘብለና ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ዕርቃኑ ወጺኡ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ኤርትራ፡ መላኽን ብሕታውን ስልጣኑ ንምሕላውን፡ ብመጠኑ’ውን ካብ’ቲ ኣትዩዎ ዘሎ ክቱር ተነጽሎ ወጺኡ ገለ ትንፋስ ዝህቦ ተቐባልነት ንምርካብን ክብል፡ በቲ ዘለዎ እደወነናዊ ስልጣን ተጠቒሙ፡ ንይምሰል ዝኣክል ታህዲድን ምፍርራሕን ዝነገሶ ዘይፍትሓዊ ምርጫ ከሰላስል ከም ዝኽእል ካብ ክህልዉና ዝግብኦም ምናልባታት ከነርሕቖ ስለ ዘይብልና’ዩ። ካብ’ዚ ዝበኣሰ ድማ፡ ካብ’ዚ ዘካይዶ ምስሉይ ምርጫ ተበጊስካ፡ እቲ ስርዓት ካብ ዲክታቶርነት ናብ ዲሞክራስያውነት ተሰጋጊሩ’ዩ ብምባል፡ ካባ ከተልብሶን፡ ከበሮን ዳንኬራን ክትሃርመሉን እንተዀንካ፡ ይቕረ ዘይበሃሎ ፍጹም ገበን ምፍጻም ክኸውን’ዩ። ዋላ’ኳ እቶም ነቲ ስርዓት ክውድስሉን ከጣቖሉን ዝርከቡ ዘለዉ ሰዓብቱን መጋበርያታቱን፡ ንረብሓኦም ክብሉ ከምኡ ኣምሲሎም ከቕርብዎ እንተፈተኑ፡ ካብ’ቲ ጥሒልዎ ዘሎ ዓዘቕትን መቀራቕሮን ንምውጻእ እቲ ስርዓት ዝገብሮ ተዋስኦ ዘይሓልፍ ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና ፈሊጡን ነቒሑሉን ክግራህ ወይ ክህመል ፈጺሙ የብሉን።

ብዘይካ’ዚ፡ ምርጫ እቲ ኣብ ድሮ ሰላማዊ መስግጋር ስልጣን ዝካየድ መላእ ህዝቢ ዝሳተፎ መዛዘሚ መስርሕ ደኣ’ምበር፡ ከም መስፈርቲ ደሞክራስያውነት ንበይኑ ቁንጭል ኣቢልካ ክውሰድ እንተኾይኑ፡ ንባዕሉ መላእ ዲሞክራስያዊ ትሕዝቶ ዝገልጽ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ የድሊ፡፡ ብካሊእ ኣዘራርባ፡ ምርጫ ብምክያድ ጥራሕ ዲሞክራሲ ብምልኣት ኣተኣታቲኻ ማለት ከስምዕ የብሉን። ስለምንታይ፡ ቅድሚ ኣብኡ ምብጻሕ ክማላእ ዘለዎ ኣገዳሲ ቅድመ ኵነት ምርግጋጽ ሕቶ ዝተፈላለዪ መሰላትን ሓርነታትን ስለ ዘሎ’ዩ። ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ተበጊስና ድማ፡ እቲ ኣብ’ዘን ክልተ ጎረባብትና ሃገራት ዝተኻየደ ምርጫታት ኣብ መነጽር ኣእቲና ክንምርምሮ እንከለና፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሰልፍታት ዝተኻየደ መስርሕ ደሞክራስያዊ ውድድርን ስዒቡ ዝተረጋገጸ ሰላማዊ ምቅብባል ስልጣንን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ዝሓዘን፡ ብኣድማሳዊ ሕግታትን ሰናይ ስነ-ምግባርን ኣብ መረጻ ዝተሳተፉ ሓይልታት ከም ቅድመ-ኲነት ዝተቐየዱሉን’ዩ ነይሩ ካብ ዝብል ተገንዝቦ’ና ክንብገስ ንኽእል። ኣብ ሱዳን ኮነ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘሎ ብልጫታትን ኣርኣያነትን ዝምስክሮ እንተልዩ፡ ብተናጸል ወይ ልፍንታዊ ስምምዕ መንግስቲ ክመርሑ ዝጸንሑ ሰልፍታት፡ ሕጂ’ውን ተቓወምቶምን ተዋዳደርቶምን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኮይኖም ክሰርሑ ዘለዎም ሕጋዊ መሰል ኣሚኖምን ተቐቢሎምን ብTolerance ሃገሮም ክመርሑ ይሸባሸቡ ምህላዎም ብኣድናቖት ንዕዘብ ምህላውና’ዩ። ኣብ ኤርትራ ሓደ ዕስሪት ናይ’ቲ ኣብ’ዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራእየ ተጸዋርነት Tolerance እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ ማእከል ሃገረን መደበራተን ተኺለን ክነጥፋ ይኽእላ ምንባረን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ መሰላት’ዚ ግን ተነፊጉወን ጸንሑን ኣሎን።

ብካሊእ ካብ’ዚ ፍልይ ዝበለ መንገዲ ኲነታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተመሊስና ክንዕዘብ እንከለና፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብጋዜጣታት ኣቢሎም ተቓውሞኦም ከስምዑ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ዕላምኦም ከነቓቕሑ፡ ክንዲ ዓቕሞም ኣብ ፖለቲካዊ ምልዕዓላት ክነጥፉ፡ ዋላ ብመጠኑ’ውን ይኹን ነዚ ዕድላት’ዚ ተጠቒሞም ወከልቶም ንውድድር ብምቕራብ ኣብ ምርጫታት ውድድር ስልጣን ክሳተፉ ርኢና። እዚ ክንብል ከለና ግን፡ በዚ ጥራሕ ፍጹም ዲሞክራሲ ተረጋጊጹ ወይ ነጊሱ’ሎ ዝብል ተረድኦ ኣለና ማለት ከስምዕ የብሉን። የግዳስ ዲሞክራስያዊ ኣገባብን ባህልን ድሮ ተኣታትዩ፡ ካብ ዝቐደመ ምርጫ ናብ ዝሰዓበ እናተኸታተልናዮም ዝመጻና ኣወንታዊ ምዕባሌታት ምህላዎም ክኽሕዶ ዘይክእል ሓቂ ምህላዉ ንምምልካት’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሰላማዊ ሃዋህውን ምቹእ ክውንነትን፡ ብቕድመ ተኸተል ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2010  ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ንዓና ኤርትራውያን ቅንኢ ዘሕደረልና ኣገዳሲ ምዕባሌ ገርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ኣብ ኤርትራ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝትክእ ግዜን ኩናታትን ጸብጺቡ ክውን ስጋብ ዝኸዉንን፡ ህዝቢ ብነጻ ድልየቱን ውሳኔኡን ዲሞክራስያዊ ምርጫ ኣካይዱ ወከልቱ ክሳብ ዝመርጽን፡ እቶም ደለይቲ ሰላምን ስኒትን ዝኾና ተቓወምትን ተቓለስትን ኤርትራውያን ንዖኦም የማስለና ካብ ምባል ሓሊፍና እንብሎ የብልናን። ምስ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእል ጉድለታት፡ እዚ ኣብ ጎረባብትና ኣሕዋት ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተሰላሰለ ምርጫታት፡ ብሓደ ወገን ደስ ዘብል ሓዲሽ ተርእዮ ኮይኑ፡ በቲ ካልኣይ ገጹ ድማ ንዓና ነቶም ቅድሚ ሰብ ጀሚርና ከነብቅዕ፡ ከም ‘ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ተመሊስና’ ንርከብ  ዘለና ኤርትራውያን፡ መንፈሳዊ ቅንኢ ኣሕዲሩልና ዘሎ ተርእዮ ገርና ክንወስዶ ዘሕንኸና ኣይኮነን።

በቲ ቀዳማይ ጀሚርና፡ ባህርያዊ ኣቀማምጣ መሬት ኤርትራ ኣብ ግምት ምስ ነእቱ፡ ምስ’ዘን ክልተ ሃገራት ትዳወብን፡ ንዘመናት ታሪኻውን ባህላውን መበቆላውን ዝምድና ዝጸንሓ ሃገር ምዃና’ዩ። ‘ሕማም ጎረበት ተላጋባይ ከም ዝበሃል’ ድማ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እንተ ዘይኮይኑ፡ ነዚ እናለሓመ ዝጐዓዝ ዘሎ ማዕበል ደሞክራስያዊ ለዉጢ ማንም ክዓግቶ ዝኽእል ሓይሊ ክህሉ ከም ዘይኮነን፡ ውዒላ ሓዲራ ኤርትራ ከም ሃገራ ነዚ ስልጡን ኣገባብ ምቅብባል ስልጣን ክትቅበሎ ምዃናን ዘይተርፍ’ዩ። ነዚ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ኣብ’ዘን ክልተ ሃገራት ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ክዕዘቦን ክከታተሎን ከም ሓጥያት ስለ ዝተቖጽረ፡ ኣብ ከም ‘ትቪ አረ’ ዝኣምሰሉ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ብዝኾነ ስእሊ ዝተሰነየ ሓበሬታ ከይዝነ እገዳ ተገይሩ ምንባሩ ፍሉጥ’ዩ። ይኹን’ምበር፡ ብካልኦት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዘርገሐ ጸብጻባት ኣቢሉ፡ ፖለቲካዊ ተልእኾኡ ሕርሕራይ ገሩ ኣብ ኣእምሮን ልብን ህዝብና ከም ዝሰረጸ ንጠራጠረሉ ኣይኮነን።

ናብ’ቲ ካልኣይ ሰጊርና ክንትንትን ከለና ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫ ኣዚዩ ደስ ዘብል ኮይኑ ንረኽቦ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ወጊሓ ክሳብ ትዓርብ ከም ጻጸ ባይታ ምሉእ መዓልቲ ተሰሪዑ፡ ንየርብሓኒ ዝበሎ ሰልፊ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብን፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖን ማልዶን ድምጹ ክህብ ምውዓሉ ዝተዓዘበ ኩሉ፡ ከም ብሓዲሽ ዝተፈጥረ ሕብረተሰብ ገይሩ ዘቚጸሮ ሓዲሽ ተርእዮ’ዩ ክብል ዘገርም ኣይኮነን። ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝረሓቐን፡ ካብ ሰናይ ድሌትን ባህግን ቅኑዕ መንፈስን ዝተበገሰ ቅንኢ ክሳብ ዝኾነን ድማ፡ ነዚ ዘይተዓደልና ቅንኢ ሓዲሩና ምባል ነውሪ ዘለዎ፡ ወይ ዘሕፍር ኮይኑ ኣይረኣየናን። በንጻር’ኳ ደኣ ንህዝቢ ሱዳንን ኢትዮጵያን እንቋዕ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ምዕባሌ ኣብጸሓኩም፡ ደስ ኢሉና ደስ ይበልኩም ኢልና ክነምጒሶም  ክብርናን ልቦናናን ብስለትናን ዘድምቕ ደኣ’ምበር፡ ሕመቕና ዘመልክት ፈጺሙ ኣይኮነን። በንጻሩ ን30 ነዊሕ ዓመታት ዝኣክል ተጋዲልናን፡ ካብ ዓቕሚ ህዝብና ንላዕሊ ዝተዓጻጸፈ መስዋእቲ ከፊልናን ከነብቅዕ፡ ናብ’ዚ ምዕቡል ደረጃ ክንበጽሕ ጌና ዘይምኽኣልና እዚዩ ከሕዝነና ዝግባእ’ዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ለውጥን ምዕባሌን ኣብ ድሮ ነጻነት ኤርትራ ኣንጊሁ ክረአን ክዕንብብን ዝነበሮ ክንሱ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ማዕቢሉ ኣብ ኤርትራ ንድሕሪት ክጕተት ምርኣይና፡ ብሓቂ ዘሕዝን ኩነት’ዩ ኣጋጢሙና ዘሎ ክንብል ምግናን ኣይኮነን።

ኣብ 40ታት ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ተመሊስና ታሪኽ ሃገርና ከነንብብ እንከለና፡ ሰልፊ ናጽነትን፡ ራቢጣ ኢስላምያን፡  ካልኦት ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ሓይልታትን ኣብ ቀጽሪ ነጻነት Independence block ተኣኻኺቦም ዝካየድዎ ዝነበሩ ርሱን ቃልሲ፡ መንነትን ሓድነትን ኤርትራ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ትካላት ዝተሃንጸ ምሕደራ ንምምስራትን ዝዕላምኡ ምንባሩ ናይ ሽዑ ተዘክሮታት ይሕብረና። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ሰልፍታት ኣቋቝሞም፡ ነጻ ጋዜጣታት መስሪቶም፡ ኣስላሞም ክስታኖም ከይፈላለዩ ካብ ሓደ መኣዲ ቀሚሶም፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ናይ ምክያድ ምዕቡል ባህሊ ኣተኣታቲዮም ዘበገስዎ ዘይሕለል ሃገራዊ ቃልሲ ብምክያድ ጀጋኑ ኣቦታትና ዘውረሱና ክቡር ታሪኽ ምንባሩ ክርሳዕ ዘይብሉ’ዩ። ምስ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውዑል ፈደረሽን ክኣትዉ እንከለዉ’ውን፡ ብመሰረቱ ዓጊቦሙሉን ኣሚኖሙሉን ዘይኮነስ፡ ነቲ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ከፊልካ ሓድነትን ኣሃዱነትን ሃገርና ብምፍራስ፡ መብዝሕትኡ እስልምና ዝኽተል ምዕራባዊ ሸነኽ ናብ ሱዳን ክሕወስ፡ እቲ ኣባዝሕኡ ክርስትያን ዝኾነ ከበሳዊ ሸነኽ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንበር፡ ተኣሊሙ ዝነበረ ብፕሮጀክት በቪን-ስፎርሳ Bevin-Sforza ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ውዲት ንምፍሻልን ኤርትራዊ ኣሃዱነት ንምዕቋብን ኣብ ትሕቲ ኣስላምና ክርስትያንና “ኣይንፈላለ” ዝብል ጭርሖ ምሒሎም ጥሒሎም ዝኣተውዎ ማእከላይ ፍታሕ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስ’ቲ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንሃገርና ከቢቡ ዝነበረ ጽንኩር ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ኣመዛዚንካ ክረአ እንከሎ፡ እቲ ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ዝለዓለ ፍታሕ ንሱ ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይነበረን። እቲ ኩነታት ኣገዲድዎም ክበጽሕዎ ዝኸኣሉ ፍታሕ ንሱ ይኹን ደኣ’ምበር፡ መላእ ነጻነትን ሓርነትን ሃገርና ከነረጋግጽ ንዓና ንደቆም ሕድሪ ገዲፎሙልና ከም ዝሓለፉ ክንርስዖ የብልናን።

ነዚ ኣቦታትና ብእምነት ዝኣተውዎ ውሱን ውሽጣዊ ነጻነት ምጻር ስኢኖም፡ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ብኢደወነኖም ምስ ኣፍረስዎ ከኣ’ዩ፡ ነዚ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ፡ ቅድም ክብል ብማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ) Eritrean Liberation Movement ዝተፈለመ፡ ስዒቡ ከኣ ብተጋድሎ ሃርነት ኤርትራ-Eritrean Liberation Front-ዝተበገሰ ብረታዊ ቃልሲ ዝተላዕለ። ኮይኑ ግን፡ እቲ ደቂ ሃገር ን30 ዓመት ዝኣክል ዘካየድዎ መሪር ሓርነታዊ ዕጥቃዊ ቃልስን፡ ክቡር ዋጋ ከፊሎም ዘረጋገጽዎ ሃገራዊ ነጻነትን፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ጨውዩ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝበኣሰ ጭቆናዊ ምሕደራ ብምምስራት ኣጉል ገይርዎ ይርከብ። እዚ ብምዃኑ፡ ሕድሪ ዝሓለፉ ኣቦታትና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሕድሪ’ቶም ኣብ ሓርነታዊ ውግእ ዝሰዓቡ ማእለያ ዘይብሎም ስውኣትና’ውን ተጠሊሙ’ዩ። ስለ’ዚ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ደኺምና ከይበልናን፡ ንድሕሪት ክምህ ከይበልናን፡ ተስፋ ከይቆረጽናን ነዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ካብ ሱር መሰረቱ ሓግሒግና ንምልጋስን፡ ንሰላምን ስኒትን ምዕባሌን ዲሞክራስያዊ መሰላትን ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ፡ ክንቃለስ ዝጸናሕናን ዘለናን ተቓወምቲ ደቂ ሃገር፡ ነዚ መሊእና ክዉን ክንገብሮ ምእንቲ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ እጃሞም ዘየልዓሉ ሃገራውያን ክጽንበርዎ ተደላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ፡ ብስም ጀጋኑ ኣቦታትን ክቡራት ስዉኣትናን ንጽውዕ። ሓድነት ሃገርናን ህዝብናን ሓሊና ብሓባር መንገዲ ድሕነት ክንጐዓዝ ምእንቲ፡ ብልዑል ድምጺ ምሕጽንታና ነቕርብ። ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባራቱ፡ ስርዓት ኤርትራ ካብ ህዝቡን ከባብኡን ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ተነጺሉ ዘሎ ፍንፉን ስርዓት’ዩ። ውድቀቱ እናቐረበ ይመጽእ ምህላዉ ዝሕብሩ ብስራታውያን ምልክታት ከብለጭልጩ ጀሚሮም ምህላዎም ከነስተብህለሎም ይግባእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተመሊሶም ዝድገሙ ዕድላት ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ፈልጥና፡ ጌና ከሎ ኣብ ረብሓ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ከነውዕሎም ወዓል ሕደር ዘይብሉ ክንረባረብ ዝግበኣና’ዩ።

ኣብ ፓርላማ ሱዳን 27 ግንቦት 2010 ዝተጋበአ ጽምብል፡ መመረቕታ ስነ ስርዓት ዝተመርጸ ፕረሲደንት ዑመር በሺር ተኻይዱ። ሓያሎይ መራሕቲ ሃገራት ዓለምናን፡ ከምኡ’ውን ብዙሓት ምስለኔታት ሃገራት ኣፍሪቃን አዕራብን ዝተሳተፍዎ፡ ብተለቭዝዮን ዝተቓልሐ ጽምብል ተኸታትልናዮ፡፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ኣብ’ቲ ጽምብል’ውን ብዙሕ ናእዳን መጎስን ተሰሚዑ’ዩ። ኣብ’ቲ ጽምብል ዝተሳተፈ ፕረሲደንት ኢሳያስ እንተዝሕተት እንታይኮን ምበለ? ዝብል ኣብ ሓንጎልና ኤርትራውያን ክዝንቢ ባህርያዊ’ዩ። መንጸብረቕታኡ ካብ ዶባት ኣንዊሑ ዝሰገረን፡ ኣብ መላእ’ቲ ዞና ጽልዋ ዘሕደረን ሓያል ፖለቲካዊ መልእኽቲ ምዃኑን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘተባብዕ ምዕባሌ ይዕንብብ ምህላዉ ዝእምት ሓባሪ ምልክት ምዃኑን፡ ነቲ ዝነበረና ሕዱር ተስፋታትን ባህግታትን ክውን ንምግባር ዝያዳ ዘተባብዕ ደራኺ ምዕባሌ ምዃኑ ንግንዘብ።

መንገዲ ህዝባዊ ምርጫ ምሓዝን፡ ብኡ ኣቢልካ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ወሳንነት ህዝቢ ምርግጋጽን፡ እቲ እንኮ ናብ ጐደና ሰላምን ደሞክራስን ምዕባሌን ዘምርሕ ኣማራጺ መንገዲ ምዃኑ፡ ኩሉ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ካብ ልቡ ዝሓስብን ዝጭነቕን ወዲሰብ ኣዐርዩ ክግንዘቦን፡ ብሰነ-ሓሳብን ግብርን ክድግፎን ዘለዎ እምር’ዩ፡፡ ሓደ ብህዝቢ ዘይተባረኸ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ መራሕ ሃገር ወይ መንግስቲ ከባብና፡ ኣብ ሃገሩ ኮነ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጠቕላላ፡ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ምርግጋጽ ኣወንታዊ ተራ ክህልዎ’ዩ ኢልካ ምጽባይ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ኣብ ጉዳይ ደቡብን ምብራቕን ሱዳን ከምኡ’ውን ዳርፉር፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሶማልን ጅቡትን ካልኦት ሃገራት ዞናና፡ ስርዓት ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ መርሆ ኢደኣእታውነትን ሽበራነትን፡ ሓደን መቐጸልታን ናይ’ቲ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክኽተሎ ዝጸንሐ ዘሎን ኣስካሕካሒ ጭቆና ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ካብ ክቱር ንዕቀትን ጉራን ትምክሕትነትን ተበጊሱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጭፍጭፈላ ዘሎ ሓለንጊ ዲክታቶርነት፡ ናብ ከባቢ ሃገራት ከይተረፈ ከወጣውጣ ከም ዝጸንሐን፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ ተናዳፊ ፖሊስታቱን ተግባራቱን ሰላም ዞናና ዘሪጉ ከም ዘሎን፡ ተመኩሮ ዝሓለፉ 19 ዓመታት ደጋጊሙ ኣመስኪርዎ። ክንዲ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰልፍታት ኣቑሙ ነጻ ምርጫታት ከካይድ ዕድል ተነፊግዎ ጸኒሑን ኣሎን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትሕቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጭቆናን ሕሱም ምሕደራን ወዲቑ ነዳይ መነባብሮ የሕልፍ ምህላዉ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ እንተልዩ፡ እቲ ንጸቢብ ረብሕኡ ክብል እናሰምዐ ክጸምም፡ ኣናረኣየ ዓይኑ ክጸቅጥ ዝመረጸ መጋበርያ ስርዓት ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ ኤርትራ፡ ሰልፍታት ክምስረቱ፡ ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ፡ ስርዓተ ሕጊ ክነግስ፡ ሰብኣዊ መሰላትን በርገሳዊ ሓርነታትን ክኸብር፡ ኮታ ብሓጺሩ ሕቶ ዲሞክራሲ ብሓፈሻ ክለዓል ዘየፍቅድ ወታሃደራዊ መግዛዕቲ’ዩ ንህዝብና ዓፊኑ ዝገዝእ ዘሎ። ዝሓዝዎ ዘይብሎም ጥራይ መናፍሶኦም ዝዕበዩን፡ ካብ ተመኩሮ ከባብኦም ክመሃሩ ዘይደልዩን ዘሕፍሮምን መራሕቲ ምዃኖም ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘሽካዕልሉ ዘለዉ፡ ኩሉ ሕርሕራይ ገይሩ ፈሊጥዎ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ኣብ ስነ-ኣእምሮ ንኤርትራ ዝመርሑ ዘለዉ ሰብ-ስልጣን ይኹን መዛግብተ ቃላት ስርዓት፡ ንደሞክራሲ ከም ስነ-ቃል ይኹን ጽንሰ-ሓሳብ፡ ከም ሓንቲ መቦቆል ዘይብላ ጓና ነገር ይሮም ከም ዝገልጽዋን፡ ካብ’ዚ እምንቶ’ዚ ተበጊሶም ንካልኦት ከደንቊሩ ወትሩ ከም ዝፍትኑን ብዙሓት ዝፈልጥዎ’ዩ። 

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብፍላይ፡ ሕቶ ደሞክራሲ ክለዓል እንከሎ ዝብህርርን ድቃስ ስኢኑ ዝሓድርን ምዃኑ፡ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ወጻእተኛታት ተመራመርትን፡ ቃለ-መጠይቕ ዘካየድሉ ጋዜጠኛታትን ጽቡቕ ገሮም ኣለልዮሞ ዘለዉ ጉዳይ’ዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት ከም ዘለዉ ክኣምንስ ይትረፍ፡ ምንቅስቓስ ካልኦት ሰልፍታት ክፈቅድስ ይትረፍ፡ ንአህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ለኪሙ ንህዝቢ ኤርትራን  ኩርኳሕ ኮይንዎ ዘሎ ሓደ ጽላሎቱ ከይተረፈ ዘይኣምን ስግንጥራዊ ዝኾነ ስርዓት’ዩ። እዚ ኩሉ እናተፈልጠ እንከሎ፡ ናይ’ቶም ኣብ ሞንጎ ተቓውሞን ስርዓት ኣስመራን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንምስፋን ተበግሶ ክንወስድ ኢና እናበሉ ክህውትቱ ዝወርሑ ይገርመና።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝዝንቢ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ደሞክራስን ምዕባሌን ዘለዎ ጽኑዕ እምንቶ ዘተባብዕን ዘሐይልን ኮይኑ ምርካቡ’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ሓድነት ሃገርናን ህዝብናን ብሓይሊ ዘይኮነስ፡ ኩሉ መሰላት ንምርግጋጽ ዝተዓጥቀን፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ሕብረተሰብና ኣብ ግምት ዘእተወን፡ ኩሉ ዝሳተፎ ዘተን ለዘብታዊ ኣተኣላልያ ጎንጽታትን ብምክያድ ጥራሕ ከነራጋግጾ ንኽእል ምዃኑ’ዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጻሓይና ዝብል ኦሪታዊ ፍልስፍና ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር ቦታ ዘይብሉን፡ ከምኡ ዝበሃለሉ ዝነበረ ዘበን ካብ ዘብቅዕ’ውን ሓያሎይ ኮይንዎ ስለ ዘሎን፡ ካብ’ዚ ንንዮውን ነዚ ስርዓት’ዚ ምሽካም ከም ህዝቢ ንመወዳእታ ጥፍኣትካ ምዕዳም ስለ ዝኾነን፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዘይድልየቱ ሓንጊርዎ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝባኑ ንምድርባይን፡ ህዝባዊ ውሳኔኡ ኣብ ኢዱ ንምጭባጥን፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣንጻሩ ክብገስን ክለዓልን ዘለዎ ምዃኑ’ዩ።

 \

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares