Awate.com

ምቛም ሓድነታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ግዜኡ ሕጂ እዩ!

ደራሲ: ሳልሕ ዩኑስ
ተርጓሚ: ሳሙኤል ኣማሃ

ቅድሚ 19 ዓመታት፡ ልክዕ ንምዃን ኣብ 2 ለካቲት 2002፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሃገራዊ ባይቶ ብምርካስ ብገዛእ ኢዱ ነብሱ ከሕቅቕ ገይሩዎ እዩ። እቲ ሃገራዊ ባይቶ ብኸመይን ስለምንታይን ነቲ ዘሕፍር ነብሰ-ቕትለታዊ ስጕምቲ እቲ ወሲዱ ኣብዚ መላግቦ ተገሊጹ ኣሎ (ኣብዚ)። ንፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ልጓም ኰይኑ ክቕይድ ዝኽእል ዝነበረ ኣውራ ትካል ምፍራሱ፡ ኤርትራ ናብ ህጉም ድስቡጣነት ብፍጥነት ክትምርሽ ከም ዘቀላጠፈ ዘሻሙ ኣይኰነን። ካብኡ ንደሓር፡ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ዝባና ብዘይዕረፍቲ ጽዖትን ቍስልን እና’ውርደት፡ ካብ ቅልውላው ናብ ቅልውላው እና’ንደልሃጸት፡ ቅዋምን ስርዓትን መሰረታውያን ሓርነታትን ዘይብላ፡ ንመንግስቶም ዝፈርሑ ዜጋታት ዝሰፍሩላ ሃገር ክትከውን ተገዲዳ። ዘይከም’ቶም ኣብ ትሕቲ ምልካውያን ስርዓታት እናነበሩ ክንሶም ዝሓሸ ንብረት ዘለዎም ህዝቢታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብንዋት ይኹን ብመንፈስ ወይ’ውን ብኻልእ መስፈሪታት ሰብኣዊ ምዕባለ ፍጹም በቲኹ እዩ።

ቅድሚ ገለ እዋን፡ ‘ሽግር ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ዕልዋ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል’ ኢለ መጒተ ነበርኩ። እቲ ናይ ደሞክራስያዊ ዕልዋ እማመይ፡ ህግደፍ ነብሱ ኣስተኻኺሉ፡ ንኤርትራ ናብ መንገዲ ደሞክራስያ ክመልሳ ዝብል እዩ ዝነበረ። (ነዚ ሓሳብ ዘርዚረ ዝገለጽክሉ ዓንቀጽ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ በዚ መላግቦ ክርከብ ይከኣል – ኣብዚ) ደሞክራስያዊ ዕልዋ ክሳኻዕ፡ እቶም ነዚ ንምግባር ኣኻእሎ ዘሎዎም ሰባት፡ ማለት ሓለፍቲ በርጌሳውያንን ወተሃደራውያንን ትካላት መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ስልጣን ኣልዮም፡ ነቲ ኣብ 1997 ሃገራዊ ቅዋም ብምጽዳቕ ዝተኾትመ ቅዋማዊ መንገዲ ዳግም ከበራብሩዎ ነቢርዎም። እዚ ሓሳብ’ዚ፡ ምኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዝጸሓፎ፡ “ኤርትራ ሃገረይ” ዝብል መጽሓፍ ብዝርዝር ተቐሚጢ ኣሎ። (ጽማቝን ገምጋማዊ ትንተናን ናይታ መጽሓፍ ኣብዚ ብምእታው ክንበብ ይክኣል)። ኣነን ምኒስተር ብርሃነን በብወገንና ነዚ ደሞክራስያዊ ዕልዋ ዝብል ሓሳብ ክንእምም እንከለና፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበሩ ኤርትራውያን መሃንድሳት ለውጢ ኰይኖም ክበቕዑ እዮም ዝብል ሓሳብ ነበረና። እንተዀነ፡ ብውድዓዊ ገምጋም፡ ብሰሪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ዝተዳኸመት ኤርትራ፡ እዚ ተኽእሎ’ዚ ኣዝዩ ዝረሓቐ መሲሉ ኣሎ።

ስለዚ እምበኣር እዩ፡ ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን ዝያዳ ሓላፍነት ክንሰክም የግዲ ዝዀነና። ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ክውንነታዊ፡ ኣድማዒ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ኣብ መጻኢ ንዝመርሑና ሰባት ቅጽበታዊ ፖለቲካዊ መባሕት ወይ መዝነትን ዘልብስ ዝመስለኒ ሓሳብ ክእምም ክፍትን እየ። ቀንዲ ሓሳበይ ቅድሚ ምግላጸይ፡ በዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ከም ንእምንን ንሰማማዕን ከነረጋግጽ ይግባእ፥

1. ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ሕጋዊት ፖለቲካዊት ውድብ (እታ ንነብሳ ግንባር ኢላ እትረቍሕ) ጥራሕ እያ ዘላ። እዛ ውድብ ካብ 1994 ንደሓር ውድባዊ ጉባኤ ኣይገበረትን።
2. ካብ’ዞም ኣብዚ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ 75 ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ናይታ ውድብ፡ እቶም ኣስማቶም ብደሚቕ ፊደል ተጻሒፉ ዘሎ፡ ዓሪፎም፡ ተሓይሮም፡ ተሰዲዶም ወይ’ውን ደስኪሎም ይርከቡ።

1 ሂወት ዘሚካኤል 2 ሃይለ መንቀርዮስ 3 ሃይለ ምሕጹን 4 ሃይለ ሳሙኤል 5 ሃይለ ወልደቲንሳኤ
6 ልኡል ገብረኣብ 7 ሑመድ መሓመድ ካሪካረ 8 ሓሚድ ሕሚድ 9 ሓጎስ ገብረሂወት 10 መስፍን ሓጎስ
11 መሓመድ ዓሊ ጃብር 12 መሓመድ ዓሊ ዕማሮ 13 መሓመድ-ብርሃን ብላታ 14 መሓመድ ዑስማን ሬዶ 15 ሙሕየዲን ሸንገብ
16 ሙሳ ራብዓ 17 ሙስጠፋ ኑር-ሑሴን 18 ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ 19 ማሕሙድ ሸሪፎ 20 ሮመዳን ዑስማን ኣውሊያይ
21 ሳልሕ እድሪስ ከኪያ 22 ሳልሕ መኪ 23 ሳልማ ሓሰን 24 ስብሓት ኤፍሬም 25 ስምኦን ገብረድንግል
 26 በራኺ ገብረስላሴ  27 ብርሃነ ኣብርሀ  28 ብርሃነ ገረዝግሄር 29 ብርሃነ ዘርኣይ  30 ተኽላይ ሃብተስላሴ
31 ተስፋይ ገብረስላሴ 32 ናይዝጊ ክፍሉ  33 ናቲ ኢብራሂም 34 ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  35 ኢብራሂም ኢድሪስ ቶቲል
 36 ኣሕመድ ሓጂ ዓሊ  37 ኣሕመድ ዑመር ካካይ  38 ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ 39 ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ  40 ኣልኣሚን ሸኽ ሳልሕ
41 ኣልኣሚን ስራጅ  42 ኣልማዝ ልጃም  43 ኣምና ኑር-ሑሴን  44 ኣስመሮም ገረዝግሄር  45 ኣስካሉ መንቀርዮስ
 46 ኣስቴር ፍስሃጽዮን  47 ኣብርሃ ካሳ  48 ኣብርሃለይ ክፍለ 49. ኣድሓኖም  ገብረማርያም 50 ኤርምያስ ደበሳይ
51 እስቲፋኖስ ስዩም 52 ወልደሚካኤል ገብረማርያም 53 ወልደንኪኤል ኣብርሃ 54 ወርቁ ተስፋሚካኤል 55 ዑቕበ ኣብርሃ
56 ዑመር ሓሰን ጠዊል 57 ዑስማን መሓመድ ዑመር  58 ዑስማን ሳልሕ መሓመድ 59 ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ 60 ዓሊ ሰይድ ዓብደላ
61 ዓብደላ ጃብር  62 ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ 63 ዓንደሚካኤል ካሕሳይ 64 ዘምህረት ዮዉሃንስ 65 ዘምዘም ዓብደላ
 66 ዛህራ ጃብር 67 የማነ ገብረኣብ 68 ዩሱፍ ሳይቕ 69 ጀርማኖ ናቲ 70 ገረዝግሄር ዓንደማርያም
 71 ግዮርጊስ ተክለሚካኤል  72 ጴጥሮስ ሰልሞን  73 ፋና ተስፋማርያም 74 ፍሊጶስ ዎልደዮውሃንስ 75 ፎዝያ ሓሽም

 ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተመርጹ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን

3. ኣሽሓት ደገፍቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝዀኑ’ሞ፡ ነቲ ስምን ዝናን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝሰረቐን ዘባዕለገን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሒን (ህግደፍ) ዘይድግፉ፡ ፖለቲካዊ ቤት ዘይብሎም ኣለዉ። እዚኦም “ሻዕብያ ቀደም! ሻዕብያ ሎሚ! ሻዕብያ ንዘልኣለም፡ ሞት ንህግደፍ!” ዝብል መቆምያ ዘሎዎም ፖለቲካዊ ጅር እዮም።

4. ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት፡ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ንነብሱ ናብ ሓደ ሓያል ትካላት ሕጊ፡ ዜናን መራኸቢታትን ዝውንን ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብቂዑ ንምውዳብ ኣይከኣለን። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓይሊታት ተቓውሞ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ፍሉያት ጉዳያት ኣተኵረን ዝነጥፋ፡ ከም ኢሳይያስ ናብ ኣህጉራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ፡ ዋንደይ ስዩም፡ ማሕበር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ናይ ዩትዩብን ፈይስቡክን ቻነላት፡ ማዕከናት ተለቪዝዮናት፡ ዝኣመሰላ ጉጅለታት ኣብ ምምስራት እኳ እንተ ተዓወተ፡ ትካላዊ ብቕዓት ዘለወን፡ ካብተን ዝመስረትወንን ዝመስረትአንን ውልቀ-ሰባት ዝዓብያ፡ ቀጻልነት ዘረጋገጻ በርጌሳውያን ማሕበራት ኣብ ምፍጣር ግን ኣይተዓወተን። ብገምጋመይ፡ ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ፍትሒ ክርኣይ ዝጸንሐ ምፍንጫላት ኣውራ ጠንቁ ስእነት ፖለቲካዊ መባሕት ወይ ስእነት ህዝባዊ ፖለቲካዊ መዚ እዩ። መሪሒነታት ተቓለስቲ ውድባት ኤርትራ ዘየወላውል ንጹር መዝነትን ተቐባልነትን ኣይጸንሖምን።

እማመይ

1. ኣብ ስደት ዝነብሩ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (1987) ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኰይኖም ዝተመርጹ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ክጽውዑ ኣለዎም። ኣውራ ዕላማ ናይዚ ጉባኤ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ (1994) ዝተፈጸመ ጭውያ፣ ምኽላስ ስምን ምርኻስን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንምዕራይ ይኸውን።

2. ሳላ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጉባኤ ውድብ ንምስንዳው ዘድሊ ዝነበረ ናይ ነፋሪት ትኬታት፡ መዕረፊ ኣጋይሻት፡ ቪዛታትን ዝኣመሰለ ሎጂስቲካዊ ሃልኪ ኣይክህሉን እዩ። እቲ ዝጽዋዕ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብመንገዲ ዙም ክሳኻዕ ይኽእል እዩ።

3. ውድባዊ ጉባኤ ብምዃኑ፡ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ንመን ዓዲምካ ንመን ትገድፍ፧ ዝብል ሕቶ ኣይክህልዎምን እዩ። እቶም ዝዕድሙን ዝዕደሙን፡ ሕቡናት መራሕቲን ተራ ኣባላትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክዀኑ’ዩ ዘለዎም። ዘክሩ! እዚ ውድባዊ ጉባኤ እዩ።

4. ከም ወዮ ወትሩ ዝግበር፡ ውድባዊ ቤት ዘይብሎም ኤርትራውያን፡ መሓዙት ኤርትራን ካልኦት መዛኑ ኤርትራውያ ውድባትን ከም ተዓዘብቲ ኣብቲ ራብዓይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይዕደሙ።

5. ኣውራ ኣተኵሮ ራብዓይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ውድባዊ ቻርተር ናይ ህዝባዊ ግንባር ዳግም ምኽላስ ይኸውን። እዚ ነቲ ኣብ መዋእለ-ሰውራ ዝነበሮ ስም ንምምላስ’ውን የጠቓልል። እቲ ዕላማ፡ ንኤርትራ ካብቲ ምስ ህግደፍ ዝተኣሳሰር መርዝንን ርስሓትን ምንጽሃ እዩ።

6. ራብዓይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ንጻውዒታት ኣብ ቤት-ማእሰርትታት ስርዓት ህግደፍ ዝበልዩ ዘለዉ ኣባላት ጉጅለ 15ን መራሕቲ ስርሒት ፎርቶን እሙን ኰይኑ ክርከብ ይግባእ። እዚ ማለት፡ እቲ ኣባላት ጉጅለ-15 ዝጸሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳቤን ገስጋሳዊን ሊበራላዊን ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር (1987)፡ መሰረታዊያን ሰነዳት ናይ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ክዀኑ ይግባእ።

7. ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር፡ “ምስ እገለስ ከመይ ኢልካዩ ዝጋባእ፧ ክሳዕ ሞተይ እየ ዝጽየኖ! ምስ እገሊትስ ከመይ ኢልካ’ዩ ዝዕየ፧ ዘይበሊ ሓዳሪ ጽልኢ ኣለና” ዝብሉ እንተዀይኖም ግና፡ ግኒ ኢሳይያስ ገና ኣይወረደሎምን ማለት እዩ። ምስ ብጾቶም ምስራሕ ዘይኰነሎም እንተዀይኑ፡ ገና ግዳያት ኢሳይያስ ኣለዉ ማለት እዩ። ዘክሩ! ኢሳይያስ ኣብ ልዕሌኹም ክስልጥን፡ ውድብኩም ክብሕት፡ ብጾትኩም ክሸርብ፡ ዕላማኹም ክዓሉ ዝኽኣለ ንሓድሕድኩም ምትእምማን ምእንቲ ከይህልወኩም ከየባተኸ ዘርኢ ጽልኢን ህልኽን ዘይምስምማዕን ምንዕዓቕን ስለ ዝተኸለ እዩ። ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ፡ “ኣይ ደጊምስ ኣሪግና ኢና። ዳግማይ ንምግባእ፡ ንምውዳብ፡ ንምዕጣቕን ኣይከኣለናን እዩ!” ዝብሉ እንተዀይኖም፡ መዘናታቶም መራሕቲ ህወሓት፡ ዝኸፈልሉን ነዊሕ ዝተቓለስሉን ዕላማን ሃገሮምን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኢሎም ምስ ኣመኑ፡ ንጎቦታት ትግራይ ደይቦም ዳግም ወይኖም እዮም። ንኣብነት ኣምባሳዶር ስዩም መስፍን ናብ በረኻታት ትግራይ ወፊሩ፡ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ተሰሊፉ ግንባሩ ንዓረር ሂቡ እዩ። ነዚ ኣይትድነቑሉን ኣኽብሮት ኣይትህብዎን ዲኹም፧ ግንባርኩም ንቐታሊ ዓረር ሃቡ ኣይተበሃልኩምን። እቲ እማመ ካብዚ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ። እቲ እማመ ውድባዊ ጉባኤ ምጽዋዕን ምስራዕን እዩ። እጃምኩም ድማ መሰጋገሪ ጥራሕ እዩ።

8. ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝምረጹ መሪሕነት ከቕዉም ከድልዮ እዩ። እዚ መሪሕነት ድማ ፈጸምቲ ኣካላት ይስይም። እዚ ስያመ’ዚ ሓድሽ መሪሕነት፡ ቀጻልነት ዘረጋግጽ፣ ብቐንዱ ድማ ፖለቲካዊ መባሕት ወይ መዚ ዘውህብ እዩ። እዚ፡ ነቲ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ንነዊሕ እዋን ከሰንክል ዝጸንሐ ጸገም ስእነት ፖለቲካዊ መባሕት ክፈትሕ እዩ።

9. ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብገዛእ ፍቓዱ፡ ብፊንታኡ ከየማኸረ ዝውድኦ ነገር ከም ዘየሎ ክፈልጥ ከድልዮ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ካብ ጉባኤ ሒዙዎም ዝወጽእ ውሳኔታት ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ዘሳንዩዎን ክላፈን ዘኽእልዎን ክዀኑ ይግባእ። ሓደ ካብቲ ሓጀታት ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ብዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝተሳእለ ፖለቲካዊ መደባት፡ ትልሚታት፡ እማመታት፡ ውድባዊ ፕሮግራማትን ምጽናዕን ምምዛንን እዩ። ትዕቢት፡ ግብዝና፡ ንሕና ጥራይ ኢና መንገዲ ሓቂን ፍትሕን ሃገራዊ ትንሳኤን ንፈልጥ ዝብል ዝምባለታት ንህግደፍ ብምግዳፍ ምስ ካልኦት መዘናኹም ናይ ተቓውሞ ውድባት ሓባርዊ ግንባር ክትምስርቱ ዘኽእለኩም መደብን ኣደብን ክህልወኩም ክትገብሩ ይግባእ።

10. እዚ ኵሉ ነገር (ውድባዊ ጉባኤ ምውዳብ፡ ውድባዊ መደባት ዳግም ምኽላስ፡ ሓድሽ መሪሕነት ምምራጽ፡ መደባትን ትልሚታትን ካልኦት ናይ ተቓውሞ ውድባት ምጽናዕን ምምዛንን) ብህጹጹ ክግበር ከድሊ እዩ። ቅድሚ 24 ግንቦት 2021 ተጀሚሩ ክዛዘም ኣለዎ።

እቲ ድሕሪ ጉባኤ ዝኸውን’ከ፧

ህዝባዊ ግንባር ራብዓይ ጉባኤኡ ምስ ኣሳኽዐ፡ እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ኤርትራ ድማ ናቱ ውድባዊ ጉባኤ ክጽውዕ ኣለዎ። ፍርቂ ኤርትራ ማለተይ፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ንፖለቲካዊ መርገጺና ኣየንጸባርቕን እዩ ዝብል ክፋል ኤርትራውያን ማለተይ እየ። ብድሕሪ’ዚ፡ እዘን ክልተ ውድባት (ኣስተውዕሉ! ክልተ ውድባት እየ ዝብል ዘለኹ። ዓሰርተ ኣይበልኩን!) ሓድነታዊ መሰጋገሪ ህዝባዊ መንግስቲ የቊማ። እዚ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ መለሳ ናይቶም ንኤርትራ ዘባድሙ ዘለዉ ሕሱማት ጉራቌናትን ኮብኮብቲ ግልያታትን ኰይኑ፡ ንመሰላትን ፍትሒን ኤርትራውያን ዜጋታት ዝቐውም ይኸውን። ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ሓደ መንግስቲ ክገብሮ ዝኽእል ኵሉ ነገር ንምግባር የኽእለካ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ገለ ካብቶም ክግበሩ ዝኽእሉ ዕዮታት ምስ ልኡኻት መንግስታት ምርኻብ፣ መለሳ ኣዕናዊ ፖሊስታት ህግደፍ ምርቃቅን ዝኣመሰሉ ዕማማት እዮም።

መንግስቲ ምትካል ከም ዘይክውንነታውን ደፋርን ስጉምቲ ዝሓስብ እንተልዩ ንምፍታኑ’ውን ኣይበገስ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓይሊ ንነብሱ ከም መንግስቲ ዝረቝሓሉ ምኽንያት፡ ፍቓድን ርድየትን ስምየትን ህዝቢ ስለ ዘሎዎ ዘይኰነስ፡ ሓይሊ ብረት ስለ ዝውንን እዩ። ንስኹም ግን ፍቓድን ርድየትን ስምየትን ህዝቢ ክህልወኩም እዩ። ብዓል ብረት ጥራሕ’ዩ ኣብ ሃገርን ህዝብን ክስልጥን ዝኽእል ዝብል እንተሎ፡ ወድባዊ ጉባኤ ዝብሃል መደብ ገዲፉ ተዋጋኢ ሰራዊት ይወድብ። “ገይሻ ኣላ’ምበር እታ ገድሊ. . .” እናበለ ድዩ ዘዝየመ ዮሃንስ ትካቦ፧ እቲ ክኸውን እቲ፡ ትም ምባል ኣማራጺ ኣይኰነን። እቲ’ባ ክብሃል ዝኽእል ካልእ ኣማራጺኸ እንታይ ኣሎ፧ ጀነራል ፊሊፖስ ወልደዮሃንስ ኣንጻር ኢሳይያስ ክዓሉ ምጽባይ፧ ኣብ ፍጹም ዕጽዋን ማሕዩር-ቤትን ዝርከብ፡ ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ከይእከብ ዝተኸልከለ ህዝቢ፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ወዲቡ መንግስቲ ክኣሊ ምጽባይ፧ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክመውት ምምህላል፧ ኣሽንኳይ ንሱስ ወላዲቱ’ኳ ክሳዕ ሕጂ ብህይወት ኣለዋ።

ያላ ንበገስ ብጾት!

መወከሲ ሰነዳት፥
1. ሰነዳት ጉባኤ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ

2. ቅሉዕ መልእኽቲ ጉጅለ-15 ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ

3. ቅልዕቲ ወረቀት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፣ እዋናውያን ጉዳያት

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares