Awate.com

ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ: ደንጉዩ ዝመጻና ዘሕዝን ዜና

እታ ንነዊሕ እዋን ኣምላኺትን ሰጋዲትን ስርዓት ኢሳያስ ከምዝኾነት ዝንገረላ፤ፍልጥቲ ውኻርያ ህግደፍ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ወይዘሮ ሶፊያ ብራርያ ትማሊ ለይቲ ርእሰቕትለት ከምዝፈጸመት ተፈሊጡ። ፖሊስ ንወኪል ኣገልግሎት ዜና ቀስተደበና ከምዝሓበሮ፡ ወይዘሮ ሶፊያ ብራርያ በቲ ኣብ ልዒሊ መንግስቲ ኢሳያስ ተወሲዱ ብዘሎ ተሪር እገዳን ኩሉ መጻኢ ህግደፍን፡ ከምኡውን እቲ ንመንግስቲ ህግደፍ ንምምላኽ ብተገብሮ ዝነበረት ሸበድበድን ካልእን ኣብ ዒዳን ዒንድዳን ገዚፍ ናይ ገንዘብ ክሳራን ስለዝኣተወትን፤ ኣብ ሓዳራ ከይተረፈ ስንብራት እንዳገደፈላ ይመጽእ ብምህላዉን፡ብዘይ ህግደፍን ኢሳያስን ካብ ዝነብር ሞት ይሕሸኒ ኢላ ሳይናይድ ዝተባህለ  ናይ ስሚ ከኒና ውሒጣ ከምዝሞተት ሓቢሮም። ስነስርዓት ቀብሪ ወይዘሮ ሶፊያ ብራርያ ብርክት ዝበሉ ወኻሩ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቤተክስትያን ቅዱስ እንጦንዮስ ዳግማዊ፤ሎሚ ከምዝተፈጸመውን ወኪልና ካብቲ ኸባቢ ሓቢሩሎ። ኣብቲ ወኪል መንግስቲ ምጹጽላያት ኣምባሳደር ሕርካም ገረዝግሄርን ካሎኦት ሰበስልጣናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ቀብርን ሓዘንን ስነስርዓት ብሽም ወኻሩ መደረ ዘስምዐ፡ዶክተር ጌድዎን ጎጃምነህ፡ ኣብ ዝበሎ፡ ”ብጸይቲ፡ ሶፊያ ብራርያ ንኹሉ ሃገራዊ ውኻርያ ኣርኣያ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉጊዜ ኣብ ልቢ ኩሉ ውኻርያ ህግደፍ ተተኺላ ትነብር ዘልኣለማዊትያ….” ክብል ሓጺር ታሪኽ ወይዘሮ ሶፊያ ብራርያውን ከምዘስምዐ ወኪልና ጸብጺቡ። ወ/ሮ ሶፊያ ብራርያ፡ ኻብ ኣቡኣ በረንበራስ ብራርያ ቃሉን ኣዲኣ ዜናነሽ ሓድጉን ኣብ 1945 ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ከተማ ጣርማ በር ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ኣብኡውን ቀዳማይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣጼ ቆስጠንጢኖስ ድሕሪ ምዝዛማ፤ ወላዲኣ ብምኽንያት ስራሕ ንማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፑብሊክ ስለዝኸዱ ናይ ካልኣይ  ደርጃ ትምህርታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጀን በዴል ቦካሳ ዛዚማ፡ስዒባ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ብምምጻእ፡ ኣብ ኮለጅ ማርያና ዝተባህለ ብምስራሕ ጸብሒን ኣተሕሕዛ ገዛን (home making and cooking)ብዝላዓለ ነጥቢ ከምዝተመረቐት ካብ ጸብጻብ ታሪኽ ህይወታ ንምርዳእ ተኻኢሉሎ። ድሕሪኡውን ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ኣብ ሓደ ሃንሰንን ደቁን(Hansen and sons) ኣብ ዝተባህለ ግሮሰሪ ከም ተሓዚት ገንዘብን ኣሳሳይትን ብምኹዋን ድሕሪ ምስራሓ፡” ዙሮሞ ሃገርካ ጠምት ተዓዘባ ንህግደፍ እግሪ እንዳላሓስካ ዓንድር ከምድላይካ” ዝተባሀለ ዘይመንግስታዊ ትካል መስሪታ ብገዚፍ ውኻርያዊ ሃገራዊነትን መሪር ምጹጽላያዊ ጽንዓትን ብዘይ ተጉላባነት፡ ክሳብ ማዓልቲ ሞታ ትነጥፍ ከምዝነበረትውን ክፍለጥ ተኻኢሉዩ።

ወ/ሮ ሶፊያ ብራርያ፤ ብ1970 ምስ ኣቶ መርሃጼን ዓዜን(መማቕርቲ) ዝተባህለ ዜጋ ተመርዒያ፤ ጀምስዋርሳይ፤ህግደፋይን መኸታይን ዝተባህሉ ሰለስተ ደቂውን ከምዝነበርዋ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የነጽር። ብመብዛሕትኡ ውኻርያን እግሪ ለሓሲ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ብዓቢ ኣድናቖትን ክብርን ትፍለጥ ዝነበረት፡ውይዘሮ ሶፊያ ብራርያ፤ ኣጋ መወዳእታ ግና ብዓል ቃልኪዳና ኣቶ መማቕርቲ ብዙሕ ሕጉስ ከምዝይነበረን ጠበቓታት ናይ ፍትሕ(divorce attorneys) ከይተረፈ የማኽር ከም ዝነበረ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኮነ ውኻርያ ንወኪልና ሓቢሩ። ካብ ኣምባሳደር ሕርካም ከይተረፈ፡ንወይዘሮ ሶፊያ ብራርያ ውኻርያዊ ስራሓ ከተሰላስል ክሓድጋን ክታሓባበራን መጠንቀቕታን መፈራርሂ ደብዳበን ከምዝመጾን በዚ ዝሓረቐ ኣቶ መርሃጼን መማቅርቲ፤” ካባይን ካብ ህግደፍ ሓዲኡ ምረጺ” ኢሉ ነዲሩ ከምዝተዛረባን ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝኸውን ካብ ገዝኣ ወጺኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ደንበ ወኻሩ ትሓድር ከም ዝነበረትውን እሙናት ምንጭታት ንወኪልና ከምዝሓበሩ ክፍለጥ ተኻኢሊሎ። ኣብቲ ካብ ዋሽንግተንን ካሎኦት ግዛኣታት ኣሜርካን ካብ ካልእ ከባቢታን ዝመጹ ቑጽሮም ብርክት ዝበሉ ወኻሩ ኣብ ዝተረኽብሉ ስነስርዓት ቐብርን ሓዘንን፡ እምበይተይ ሶፊያ ብራርያ፡ ብዙሓት ሃገራውያን ወኻሩ፥ በብሓደ ዝተሰምዖም መሪር ጉዋሂን ሓዘንን ገሊጾም ኔሮም። ሓንቲ ፍረወይኒ ባሪስታ(ጉዋል ጎሚስታ) ዝተባህለት ተቐማጢት ቨርጂንያን ገዲም ውኻርያን ኣብ ዝበለቶ” ህይወታ ብዘይ ሶፊያ ብራርያ ኣዝዩ ከምዝጸልመተን ኩሉ ነገር ከምዘጽልኣን” ሕንቕንቕ እንዳበለት ድሕሪ ምዝራባ ንወይዘሮ ሶፊያ ብራርያ ሓውልቲ ክህነጸላ ሓሳብ ኣቕሪባ። ኻልእ መደረ ዘስምዐ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ደንበ ወኻሩ ግዝኣት ሜርላንድ ዝኾነ፡ ብጻይ ጉዑሽ(ወዲ መንከሽከሽ) ኮይኑ፤ ንሱ ኣብ ዝበሎ ምስ ጉዋል ብራርያ ንነዊሕ እዋን ከም ዝፋለጡን ንነዊሕ እዋንውን ይድውራ ከምዝነበረን ብፍላይ ፍቕርን ሃገራውነትን ኣወሃሂዳ ናይ ምኽያድ ፍሉይ ክእለት ከምዘለዋን በቐሊሉ ክትካእ ዘይካኣል ሓያል ሓርበኛ ውኻርያ ከምዝነበረት ድሕሪ ምሕባር ኩሉ ጊዜ ታሕሳስ 23 መዓልቲ ሶፊያ ብራርያ ተባሂሉ ክዝከር ከምዝግባእ ርኢቶ ሂቡ።

ኻልእ ንሓዘንተኛታት መደረ ዘስምዔት ናይ ቀረባ መሓዛን ኣብ ስራሕ ልመናን ርዱኡናን ጉጅለ ወኻሩ ብሓንሳብ ንነዊሕ ዝሰርሐትን ወይዘሪት ተኽኣ ኣናንያ ኮይና ንሳ እንግሊዝን ትግርኛን እንዳሓዋወሰት” ኦ ማይ ጎድ ኦ ማይ ጎድ ኣይኣምንንየ! ነብሰይ ኣነውን ክቐትልየ ሊቭሚ ኣሎን ኣይ ዊል ኪል ማይሰልፍ ኦ ማይ ጎድ…..” ኢላ ሕልናኣ ሲሒታ ኣብ መሬት ከምዝወደቐትን ፖሊስን ሕክምናን ተጸዊዖም ኣብ ሆስፒታል ኣትያ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘላውን ብተወሳኺ  ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር። ኣብ መወዳእታ መደረ ዘስምዐ ወዳ ንወይዘሮ ሶፊያ ብራርያ ጀምስ ዋርሳይ ኮይኑ ንሱ ኣዲኡ ህይወታ ከይተረፈ ዝኸፈለትሉ ዒላማ ወኻሩ ናብ ሽትኡ ንምብጻሕ ኩሉ  ዝድለ ዘበለ ክገብር ቁሩብ ከምዝኾነን ብሰንኪ ኣዲኡ ካብ ህጻንነቱ ኣትሒዙ ፍቕሪ ኣብ ፕሬዝደንት ኢሳያስ ከምዝሓደሮን ኣብ መደቀሲኡ ጥራይ ከባቢ 50 ስእልታት ክቡር ፕሬዝደንት ከምዘሎን፡ሕጅውን ጸላእትና ደስ ኣይበሎም ካልእ 40 ስእልታት ፕሬዝደንት ኢሳያስን ነቲ ከም ሓወ ኣቡኡ ዝርእዮን”UNCLE’’ እንዳበለ ዝጽውዖን ዓሊ ዓብዱን ኽልጥፍ ከምዝኾነን ምስሓበረ፤ኩሎም ሓዘንተኛታት ወኻሩ ጣቕዒት ዶርጊሖሞ።ኣብ መዛዘሚ ስነ ስርዓት ሓዘንን ቐብርን ውይዘሮ ሶፊያ ብራርያ፤ ኩሎም ወኻሩን ምጹጽላያትን ናይዚ ኸባቢ ዓዓሰርተ ዶላር ንስድራቤታ ከዋጽኡ ድሕሪ ምስምምዖም” ዓደየ ዓዲ ወኻሩ ብዓል መንዮም ዝሰኸሩ…” ዝብል ሃገራዊ መዝሙር ህዝባዊ ግንባር ምጹጽላይ ብምዝማር እቲ ስነስርዓት ከምዝተዛዘመ ወኪል ኣገልግሎት ዜና ቀስተደበና ሓቢሩ።

ብኻልእ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ልዒሊ ጉጅለ ህግደፍን ጨካናት ጸረህዝቢ መራሕቱን ብዝተወስደ ተሪር እገዳ ዝተስናበዱ ወኻሩ  ከተማ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ገዚፍ ሸቐልቐል ኣትይዎም ኣብ ዓቢ ጭንቀት ፍርህን ዓቕሊ ጽበትን ከምዝርከቡን ፤ከም ናይ ወይዘሮ ሶፊያ ብራርያ ዓይነት ርእሰ ቕትለት(SUCIDE) ከይፍጽሙ ስግኣት ከምዘሎን ሓደ ሓደ  ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ ኣባላት ደንበ ወኻሩ ነበርን ተዓዘብትን ይገልጹ ኣለዉ። ብፍላይ መንግስቲ ኣሜርካ ንደገፍትን ኣምለኽትን ዋሃዮታት ደንበ ህግደፍ/ወኻሩ ብግብረሽበራ ገበን ክሕዞምን ኣብ ፍርዲ ከቕርቦምን ከከም ኩነታቱውን ካብ ሃገር ክጥርዞምዩ ዝብል ወረ ምስተናፈሰ ዳርጋ መብዛሕትኣ ውኻርያ ኣብ ገገዝኣ ተሓቢኣ ስልኪ ከይተረፈ ምላዓል ከምዝኣበዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዝርከብ 6&L ተባሂሉ ዝፍለጥ መብዛሕትኦም ደገፍቲ ህግደፍ ከምዝኾኑ ዝንገረሎም ኣብ ዘምስይሉ ክለብን ባርን፡ ትማሊ ምሸት ክልተ ወኻሩ ጥራይ  ከምዝነበሩን ንሳቶምውን ወኪል ጋዜጣ ቀስተደበና ነቲ ኹነታት ንምርኣይ ኣብቲ ክለብ ክኣቱ እንከሎ ሽዑ ንሽዑ  ባህሪሮም፡ወጺኦም ከምዝሃደሙ ክፍለጥ ተኻኢሎ’። ካብ መብዛሕትኤን ከተማታት ኣሜርካን ካናዳን ዝመጸና ዘሎ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ በዚ ሃንደበታዊ ስጉምትን መግጨብትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዒሊ ጉጅለ  ሕጊ ናይ ጫካ ህግደፍ   ፤  ዝተሳናበዱ ሓይሎ  ገዳይም ምኩራት ደገፍትን ኣምለኽትን ህግደፍ ከይተረፈ ነቲ ጉጅለ ኣረሚን እንዳራሕርሑ ኣባልነቶም ይስርዙ ከም ዘለውውንዩ።

ሓደሓደ ወኻሩ፤ ቑጽሪ ስልኮም ይቕይሩ ከምዘለውን ገለገሊኦም ድማ ንሰልፍታት ተቓወምቲ ህግደፍ ንዝኾና ውድባትን ውልቀሰባትን፡ ክውከሱ ከምዝጀመሩን ይሕበር ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ መጻኢ ቀስተደበና ስፍሕ ዝበለ ጸብጻብ ምስቓለመጠይቅ ኣሰኒያ ኸተቕርብ ከምዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ክንጠቅስ ንደሊ።

ብኻልእ ካብ ውሽጢ ሃገር ብዝመጻና ዜና፡ በቲ ምጥፋእን ምስላምን ተጻወቲ ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሳናበደን ዝተቕጥዐን ጃንዳ ህግደፍ ካብ ብቕትማሊ ጀሚሩ ንፈደሬሽን ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ዓጽዩ ብሃገራዊ ፈደሬሽን ቢልያርዶ(ካራንቦላ) ከም ዝተክኦን ከም ጊዝያዊ ኣካይዲ ስራሕ ንወዲ ሰብዓን ክልተ ዓመቶም፡ ውሩይ ተጻዋታይ ቢልያርዶ ባር ጆስን ከባቢኣን ንኣቶ ጁሴፐ ካልቻቶ(ወዲ ቡኛ) ከም ዝመዘዘን፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ኤርትራ ብጀካ ቢልያርዶን ጆተኒን ካሊእ ዓይነት ስፖርቲ ፍቑድ ከምዘይኮነን ብሕግውን ከምዘሕትት፡ ብኣዋጅ ቁጽሪ 12387907655212 ከምዝፍለጠን ክፍለጥ ተኻኢሉሎ። ጋዜጣ ቀስተደበና ንጊዝያዊ ኣካያዲ ሃገራዊ ፌደረሽን ቢልያርዶ ኤርትራ(ሃ.ፌ.ቢ.ኤ) ክቡር ኣቶ ጁሰፐ ወዲ ቡኛ ንምርካብ ዝገበርቶ ፈተነ፡ስድራ ቤቶም ተጸሊኢዎም ኣሎ ስለዝበሉ፡ክሰልጥ ኣይከኣለን። በቲ ወጺኡ ዘሎ ኣዋጅ መሰረት ኩለን ክለባት ኩዑሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ጋንታታት ቢልያርዶን ጆተንን ክቕየራ ነዚ ምስ ዘይገብራ ግና ተሪር መቕጻዒቲ ክውሰደለን ከምዝኽእል፡ ሓደ ኣፈኛ ህግደፍ ድሕሪ ምሕባሩ ዘይሕለል ከም ዓረ ዝተረረ ህዝብና ነዘን ዝቖማ ዘለዋ ሓደሽቲ ጋንታታት ቢልያርዶን ጆተንን ኩሉ ዝድለ ዘበለ ሓገዝ ክግብረለን ብተወሳኺ ሓቢሩ ወይ ኣጠንቒቑ።

እዚ ከምዚሉ እንዳሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ህግደፍን ሓለፍትን ኣዘዝትን ከቢድ ስግኣት ሰፊኑ ከም ዘሎን ዳርጋ ኩሎም ኣብ ቤት ጽሕፈታቶም ተዓጽዮም ምቑዛም ከም ዝጀመሩን ካብ  ጥፋኣት ህግደፍ ንምድሓን  ብኸመይ ከም ዝሃድሙ ይሓስቡ ምህላዎምን ሓደ ናይ ቀረባ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ሓቢሮና ኣሎ። ብ ኸምኡ ከይኮነ ኣይተርፍን ንናብ ትማሊ ዘውግሕ ለይቲ ሓደ ብጭካኔኡ ብደቅ ኣስመራ ዝፍለጥን ኣዝዩ ዝፍራህን ዝጽላእን ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ትራክ ሲ ዝነበረ ኮሎኔል ዘስሉስ ባርያጋብር( ደም ድራሩ) ክሃድም ክፍትን ኣብ ከባቢ ጎልጅ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምትሕብባር ሕዝብን ተታሕዙ ተቐይዱ ከም ዘሎን ተፈልጡ’ሎ። እዚ ኣዝዩ ጨካንን ርህራሄ ዝባሃል ዘይፈልጥ  ሕሱም ገራፍን ኣሳቓይን  ማእለያ ዘይብሎም መንእስያት ኤርትራውያን ዝነበረ ሰብ፡ ቐሚሽ ተኸዲኑ ኣንስተይቲ ተመሲሉ ክሃድም ክብል ከምዝተታሕዘን ኣብ ኢዱውን ኣስታት 20 ሽሕ ዶላርን ብርክት ዝበለ ናቕፋን ከምዝነበረን፡ ብተወሳኺ ዝመጸና ዜና ይሕብር። ጋዜጣ ቀስተደበና ርሑስ ሓድሽ ዓመት እንዳበለት ዝተፈላለዩ ዜናታትን ጸብጻባትን ንህዝቢ ብቐጻሊ ኸተቕርብ ከም ዝኾነት እንዳሓበርና፤ናይ ሎሚ ናይ ዜናን ሓበሬታን መደብና ኣብዚ ንዛዝም።

shawolisha@hotmail.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares