Awate.com

መሰረታዊ  ስነ-ቁጠባ፣ “እታ ስውርቲ ኢድ”

(መሰረታዊ  ትምህርቲ ስነ-ቁጠባ፣ “ዘፍጥረት ገንዘብ” (እታ ስውርቲ ኢድ-The Invisible Hand-Adam Smith) ብኣቶ ጳውሎስ ዝቀረበ ካብ ባይቶ ልዝብ ዓዋተ ዝተቀድሔ፥) awatestaff

ሰላም ብሩኻት ህዝበይ,

ቀዳም ማዓልቲ ብርጭቆ ንጉሆ ተሲኣ ናብ ሹቕ ኣስፔዛ ክትገብር ትኸይድሞ፣ ሓወቦይ ምራጭ ገዛ’ዘላ መሲልዎ ብርጭቆ ኣቲ ብርጭቆ ተበለ መልሲ ምስ’ሳኣነ፣ ንግሆ ምድሪ ናበይ እያ ኸይዳ ኢሉ ከንጸርጽር ይጅምር፣ መርዘን ስለዝጀመረቶ፣ ውዒቲ ሻሂ ከተፍልሓሉ ስለዝደለየ።

ብርጭቆ ቅድሚ ምምጻኣ ግን መርዘን ገዲፋቶስ ድሮ’ኳ እንዳፋጸየ “ገንዘብ ገንዘብ ፈላልዩና” እንዳበለ ክደርፍ ጀመረ።

ቁሩብ ከይጸንሐ ብርጭቆ ደበኽ በለት፣ ሓወቦይ በትሩ እንዳዋጣወጠ፣ ኣቲ ብንጉሁኡ ናበይ ኬድኪ ኢሉ ኣፋጠጠላ፣ ካብ ትሓቱኒ ግዳ ነዚ ኣስፔዛ ናብ ክሽነ ከእትዎ ዘይትሕግዙኒ በለቶ፣ ሓወቦይ ከይመለሰላ ናብ ምሕጋዝ አተወ።

ኣጋ ፋዱስ ምስኮነ፣ ብርጭቆ ኣብ ክሽነ’ኾይና ንምሳሕ ዝኸውን ምግቢ ክትሰርሕ ጀመረት፣ ሓወቦይ ኣብ ክሽነ ከምዘላ ምስራኣየ ይቕሬታ ክብላ ኸደ፣ ብኡ’ኣቢሉ ኻኣ ዕዳጋ ከመይ ኔሩ ኢሉ ሓተታ፣ ንሳ’ኻኣ ከምዚ ክትብል መለሰትሉ፣ ገንዘብ ሓሲሩ፣ ካልአይ’ካኣ ሎምስ ካብ ገዛእቲስ ሸየጥቲ ዝበዝሑ ይመስሉ በለቶ።

ገንዘብ ማለት እንታይ ማለት እዩ ኢሉ ሓተታ፣ ንሳ’ኻኣ ገንዘብ’ዳኣ ናይ ነገራት ዋጋ መዐቀኒ እዩ በለቶ።

ገንዘብ ናይ ዋጋ መዐቀኒ ኣይኮነን በላ።

እዋእ ንሱኹም’ሲ ሎምስ ዘይተባህለ ከተስሙዑና ኢኹም በለቶ። እቲ ሓፈሻዊ መረዳእታ ናይ ገንዘብ ከምቲ ዝበልክዮ እዩ፣ እቲ ሓቂ’ግን ገንዘብ ናይ ኣብ ነንሕድሕድና ዘለና እምነት መዐቀኒ እዩ ኢሉ መለሰላ።

ሕጂ ንምሳሌ፣ ኣብቲ ዓድና ዓዲ ንኣምን ገንዘብ ዝባሃል ነገር ተዘውቲሩ ኣይፈልጥን ንበሎ፣ ሓደ ማዓልቲ ቀለታ ድንሽ ኣድልይዎ ስለዝነበረ ግን ጽርሃ ዘይትደልዮ ድንሽ ከምዘለዋ ስለ ዝሰምዐ፣ ናብ’ኣ ኸይዱ ድንሽ ሃብኒ ይብላ፣ ጽርሃ ግን ካብ ቀለታ ትደልዮ ነገር ኣይነበረን ነገርግን እቲ ዝደለዮ ድንሽ ትህቦ፣ ቀለታ ሽዕዑ ምናልባሽ ዳሕራይ ማዓልቲ ኣነ ዘለኒ ንስኺ ትደልይዮ እንተሃለወ ኢሊ ሓንቲ ጻዕዳ ወረቐት ሽሙን መኽተሙን ኣስፊሩ ይህባ።

ድሕሪኡ ጽርሃ ካብ ማሓዛኣ ሓያት ሳእኒ ወሲዳ ስለዝነበረት፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ግን ሓያት እቲ ካብ ጽርሃ ትደልዮ ዝነበረት ጽርሃ ስለዘይነበራ፣ ጽርሃ ነዛ ቀለታ ዝሃባ ወረቐት ሒዛ ናብ ሓያት ትኸይድ እሞ ትህባ።

ሓያት ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ይኸውን ካብ ሙሓሙዳይ ኮሚደረ ወሲዳ ስለዝነበረት፣ ነታ ጽርሃ ዝሃበታ ጻዕዳ ወረቐት ንሙሓሙዳይ ትህቦ። እታ ጻዕዳ ወረቐት ከምኡ እንዳ በለት ሙሉእ ዓዲ ንኣምን ትኾልል።

እታ ጻዕዳ ወረቐት ገንዘብ ኮይና ማለት እዩ! ስለዚ እታ ወረቐት መዐቀኒ ዋጋ ናይ ድንሽ፣ ጨና ወይካኣ ኮሚደረ ዘይኮነ፣ ናይ ኣብ ሰበ ዘለና እምነት መዐቀኒ እዩ። ፍየት ማኒ [Fiat Money] ተባሂሉ ይፍለጥ።

እቲ ብዛዕባ ሸየጥቲ በዚሖም ሸመትቲ ውሒዶም ዝበልክዮ፣ ናቱ ታሪኻዊ ኣማጻጽኣ ኣለዎ።

ቅድሚ ናብኡ ምእታውና ግን ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ክንፈልጥ የድልየና እዩ፣ ንሱ’ኻኣ ብዛዕባ ኣይዛክ ኒውተን [Isaac Newton] ዝተባህለ ብ17 ክፍለ-ዘመን ብዛዕባ ፍልስፍናዊ ኣባጋግሳ ናይ ተፈጥሮ ዘቕረቦ ስነሓሳብ እዩ። እቲ ስነ-ሓሳብ እንታይ እዩ ዝብል፣ ፍጥረት ከም ዓቢ ማሽን [Machine] እዩ፣ እዚ ማለት ካኣ፣ እዚ ማሽን እዚ፣ ብናይ ፈጣሪ ኢድ ዝተሞርኮሰ፣ ከምዚ ንማኪና ብመፍትሕ ጌርና መታን ክትንቃሳቐስ ንጅምራ፣ ፈጣሪ’ኻኣ ሓንሳብ ነቲ ማሽን ምስጀመሮ ናቱ ሕግን ስርዓትን ሒዙ ቀጸለ።

ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ኣይዛክ ኒውተን ምስሞተ፣ ሓደ አዳም ስምዝ [Adam Smith] ዝተባህለ ወዲ ስኮትላንድ [Scotland] ነቲ ናይ ኣይዛክ ንውተን መጽሓፍ መሰምበበ፣ ኣብ ኣታሓሳስብኡ ዓቢ ጽልዋ ኣሕደረሉ፣ ካብ ናይ ኣይዛክ ኒውተን ስነሓሳብ ተበጊሱ’ኻኣ፣ ኣብቲ ኣብ ዕዳጋ ዝግበር ምሻጥን ምልዋጥን ምዕዳግን፣ ናይ ፈጣሪ ዘይትረአ ኢድ ከምቲ ንተፈጥሮ ብሕጊን ስርዓትን ተካይዶ፣ ንዕዳጋ’ኻኣ ስውርቲ ኢድ ተካይዶ እያ ኢሊ መሰረታዊ ሓሳብ ናይ ስነ ቁጠባ [Economics] ክሳብ ሕጂ ተቐባልነት ዘለዎ ኣቕረበ!

ኣብተን ክልተ ፍሉጣት መጻሕፍቱ “The Theory of Moral Sentiments” እታ ሓንቲ’ኻኣ “The Wealth of Nations” ነታ “ዝተሰወረት ኢድ” ዝበላ ወይካኣ “The Invisible Hand” ከም ናይ ሓሳብ መሰረት ጌሩ ኣብተን ዝተጠቕሳ መጻሕፍቲ ነቲ ስነ-ሓሳቡ ብዑምቀት ኣስፊሑ ይገልጽ።

ብርጭቆ ስቕ ኢላ ድሕሪ ምስማዓ ከምዚ’ላ ንሓወቦይ ሓተተቶ፣ እታ ዘይትረአ ኢድ ዝበልኩማ፣ እንድሕር ንሳ’ኾይና ነቲ ዕዳጋ ተካይዶ፣ መንግስቲ ኢዱ ከእቱ የብሉን ማለት’ድዮ?

እዚ ሕቶ’ዚ ከቢድ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ሎሚ ኣብ ናይ ፖለቲካ መስርሕን ቅድን እቲ ማእኸላይ ደረጃ ዝሓዘ ንናይ ዝተፋላለያ ሰልፍታት ዘፋሓፈሐ እዮ።

ምናልባሽ እቲ ዛዕባ ገፊሕን ዓሚቑን ስለዝኾነ ካልእ ማዓልቲ ከነዕልለሉ ኢና ኢሉ መለሰላ።

 

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares