Awate.com

ለውጢ፡ ንዕለት ዶ ንዓመት SHT

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ “ለውጢ ሕጂ፡ ብግዲ ወይ ብወዲ” ትብል ዓምዲ ጽሒፈ ነይረ። እዚኣ ኣብ ትሕቲ “ለውጢ፡ ንዕለት ዶ ንዓመት” ዘርእስታ፡ መቐጸልታ ናታ’ያ።

ኩሉ አእዋኑ ኣለዎ፡፡ ሎሚዘመን ድማ እዋን ራህዋን፡ ሰላምን ክኸውን ትምኒት ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ፡፡ ሃገርና ከም ገበል ዘለዎ ደብሪ ኮይና ክትሽገር ኣይነፍቅድን እንብለሉ ዘመን ይግበሮ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ጨቢጡ፡ ኣብ ፍትሒ ዝምለኣ ሃገሩ፡ ከም ሓሰኻ-ደምበ ኣብ ዝለምለመሉ ክድቅስ፡፡ ፍትሒ ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ከም ወርቂ እናሓደረት ክትኩላዕ፡ ከም ወጋሕታ እናጸነሐት ክትግለጽ፡፡

እሞ እዚ ሰናይ ትምኒት ዝናብ ዘይብሉ ደበና ከይኸውን፡ ቅድም-ቀዳድም እንታይ ዓይነት ምድላዋት ክንገብር ይግባእ። ነቲ ብእግሩ ዝተሰደ ፍትሕን መሰልን፡ ብፈረስ ቶሎ-ቶሎ ኢልና፡ ብኣሻቡ ክንመልሶ እንተዂና እንታይ ክንገብር ኣለና፡፡ እቲ ብሓበንን ኩርዓትን፡ ኩቡር ደምና ዘፍሰስናሉ ቃልሲ፡ ጽቡቕ መዘምዘምታ ሓሪምዎ፡ ሓሙስ ጽግቦ ዘይብሉ ጾም፡ ፈጠራ ዘይብሉ ሮሞዳን ኮይኑ ከይተርፍ እንታይ ንግበር፡፡

ነገር ክሳድ ሒዝካ ስለ ዝኾነ፡ እንታይ’ዩ እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ፡ እንታይ’ዩ እቲ ከይሓደርና ከይወዓልና ክንዝትየሉ ዘለና ዛዕባታት። እቲ ሓቅስ ሽሕ ዝመኸርዎ ሓደ’ዩ ዝውርውሮ። እሞ ጠለብና ከነርዊ፡ ነገርና ክፍጸም፡ ለውጢ ነዊት ክትውርወር ሲ፡ እንታይ ይገበር።

ንዕለት ዶ ንዓመት?

ለውጢ ናይ ግድን’ዩ፡፡ ለውጢ ክመጽእ’ዩ፡፡ ለውጢ ብኸመይ ክምጽእ? ለውጢ መዓስ ክምጽእ? ዘገም ኢልና ዶ ብቕልጣፈ ከነምጽኦ? እቲ ኣትቢቕና እንካተዓሉ፡ እንዝትየሉን ዘለና ነጥቢ’ዩ፡፡ ውሕስነት ዘይብሉ ለውጢ፡ ቁማር ከይኸውን፡ ዝግበኦ መንጸፍ ከነውድቐሉ ኣለና። እቲ መብዛሕቲኡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተወዲቡ–ኣብ ፖሎቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳውያን መሕበራት– እጃሙ ዘበርክት ዘሎ፡ ኣብ ወጮ ተገልበጥካዮ ወጮ ዝዓይነቱ ለውጢ ረብሓ ከምዘብሉ ይኣምን። ንኣወንታውን መሰረታውን ለውጢ ክመጽእ፡ እቲ ንጹር ተልእኹኡን ራኢኡን ንሱ’ዩ። እቲ ሕመረት ዕርዲ ቃልስና፡ ኣብ’ዛ መሰረታዊት ሕቶ ዝመንጨወ’ዩ፡ ለውጢ፡ ንዕለት ዶ ንዓመት።

ነቲ ንሓዋሩ ዝኾነካ መሰረት ዓቂብካ፡ ከመይ ሃገርና ኣብ’ቲ ዝግበኣ ናይ ጎደና ምዕባሌ መሪሻ፡ ነቲ ብጨካኒ ስርዓት ተሓኒቑ፡ በጀካ ዓፍራ ካልእ ዘየውጽእ ዘሎ ህዝብና፡ ሓራ ጌርካ፡ እቲ ናይ ብልሕን መሃዝነትን ሓይሉ ተፈቲሑ፡ ከም ድላዩ ኣብ ነጻ-ዕዳጋ ኣጋሊቡ መናባብርኡ ከመሓይሽን፡ ሓዳሩ ከደልድል’ዩ።

እሞ፡ ብግዝያዊ ሽግራት ከይተረበጽና፡ ከመይ ጌርና፡ (1) ነቲ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ቀልጢፍና ነድሕን፡ (2) ነቲ ንመንእሰይ ብኣዳራዕ መውቃዕቲ፡ ፍርቁ ንስደት፡ ፍርቁ ንባርነት ጌርዎ ዘሎ ስርዓት ብዝሓሰረ መስዋእትን፡ ብዝሓጸረ ወቕትን ምውዳቑ፡ (3) ልዕሊ ኩሉ ከኣ፡ ከመይ ጌርና ነባሪ ዝኾነ ፍታሕ ኣምጺእና፡ ንሓዋሩ ተተኺሉ ዝነብር ሕግን፡ ብምርጫ ህዝቢ ዝቀያየር ምሕደራን ንምስራት። እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ዕላማና፡፡

እቲ ንሰላሳ ዓመትታት ተቓሊስና፡ ብሓቦን ኒሕን፡ ካብ ምምብርካኽ ሲ ሞት ይሓይሽ ኢልና፡ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናያ ናጽነት፡ ፍሪኣ ከም ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርኣ፡ ብውሑዳት ጎሓሉ ክትዝረፍ ኣይነፍቅድን። እቲ ክንዲ ላዕላይ ሰማይ ዝነበረ ስም ኤርትራዊ፡ ሎሚ መመሰሊ ፍሽለትን፡ ዝተጠልመ ምብጽዓን፡ ዝትኾልፈ ዕብየት፡ ክኸውን’ውን ኣይፋልን፡፡ ሕጂ’ውን ከም ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ፡ እቲ መኸተ ኣንጻር ምልከን፡ በደልን፡ ዓመጽን ሲ ክቕጽል’ዩ።

ዓመጽ ብሑጋ ትምጻእ ብኣፍደገ፡ ብዛሬባ ትምጻእ ብውሻጠ፡ ዓመጽ ምኻና ኣይተርፋን። መኪትና ክንስዕራ’ውን ኢና። ኒሕና ኣይተጸንቀቐን፡ ስሬና’ውን ኣይተፈትሕን። ሕጂ’ውን፡ በቲ ኣብ ኢድ ጀጋኑ– ዋርሳይ-ይከኣሎን ተቓውሞን– ዘሎ ዱላ፡ ወዮ ገበል ርእሱ ክድቆስ’ዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይዓነወ ዝህነጽ ሃገር የለን፡ ክሳብ መዓስ ከኣ ኣብ ነጣቢ ህድሞ ክንነብር።

ህ.ግ.ደ.ፍ. ሻራ መን’ዩ

ሓደ-ሓደ ኤርትራውያን፡ ማሕበርና ከይበኩር፡ ሻራና ከይሰዓር ብምባል፡ ነቲ ግሁድ ሓበላ-ዓይኒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክሓብኡ ዘየቕርብዎ ምኽኒት የልቦን፡፡ እንድሕር ዓድና ጽቡቕ ኣሎ ደኣ፡ ስለምንታይ’ዩ ምድሪ እናጸበሐ፡ ንስደት ዝብል ሰብ በዝሐ፡፡

በቲ ቅለት-ልቦም ዋላ እካ ብዙሕ እንተጎሃና፡ ንግዚኡ ግን ከም ሻሙ ኢልና፡ ኣብ ሃገር ሻራይ-ሻራኻ ከምዘየለ ከነብርሃሎም ይግባእ፡፡ ኤርትራ ከም ላም ሓደ ጎንና ኣይሰብሕ፡ ሓደ ጎንና ኣይዓብር፡፡ እዛ ሃገር እንተ ጢዓ እንተ ሓሚማ፡ ንኹልና ሓንቲ’ያ ትብጸሓና፡፡ ሓደ ሓለፋ ዜግነት ዘለዎ የብልናን። ናይ ዜግነት ሚዛን-ወርቂ፡ ብጣቒዕት ወይ ውዳሰ ኣይኮነን። እቲ ጭዋ ዜግነት ሲ፡ በቲ ብዘይ ሌላን-ጉሌላን፡ ምእንቲ ፍትሕን፡ ሕግን፡ መሰልን ዝቃለስ ኤርትራዊ እዩ ዝቕይስ።

እቶም ብረብሓን ስሰዐን ሰኺሮም፡ ሰበሐ ኢሎም ስጋ ኣድጊ ክበልዑ፡ ኣብ ክንዲ ዓገብ ምባል፡ ስቕታ መሪጾም ዘለው፡ እቲ ስቕ ዝበለን እቲ ይርሓስካ ዝበለን ሓደ’ዩ ኢልና ነዘክሮም፡፡ ዝወገሐ ምስ ወገሐ፡ ዋላ እካ ካብ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ከምልጡ ምኾኖም እንተፈለጡ፡ ካብ ሕልናስ ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮይ፡ ንቤተ-ሰቦም’ውን ሕማቕ ስም፡ እከይ ሓድጊ’ዩ፡፡

እቲ ሓቅስ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ እቲ ቀደም ፊት-ፊት ዝብሎ ዝነበረ ደም ንጹሃት፡ ሎምስ ጠም-ጠም እዩ ዝብሎ ዘሎ፡፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ሓያል ኣንበጣ፡ ግራውትና በሊዑስ፡ ኣብ ደጎልና’ዩ ዝሰፍር ዘሎ፡፡ እዞም ሕፍረት ዘይስምዖም ጉጅለ ኣይተ ኢሰያስ፡ ኣብ ዝባን ጀጋኑ ኣሕዋትና ተሓንጊሮም ኣትዮም ክንሶም፡ ብእግርና ኢና ኣቲና ኢሎም እናትጀሃሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰሂት ሓጋይ ኣምጽእ ኢሎም ይእዝዝዎ ኣለዉ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ኣዕብዩ፡ ነዚ ሃህ ዝበለ ኣንበሳ ኣይቃለስን ኢሉ፡ ድርዳር ስጋ የኾልሶ ኣሎ፡፡ ኣይተ ኢሰያስ ግን ኣሕዋት ብዙሓት ቀቲሉ፡ ስጋ መኻናት ክበልዕ  ዘበት’ዩ፡፡

ህ.ግ.ደ.ፍ. ሸራፍ ሳርማ እዩ፡፡ ንሃገርና ድማ ከም ዝነፈሰ ስዋ፡ ክብረታ ቐንጢጡ ኣፍኮሳ፡፡

ሽመት ኣብ ክንዲ ሓሪኻ ዝወሃብ ንሰብ ቅያ፡ ብዘይ ቅጥዒ ይወሃብ ንእሺ-ኣያ ኢሎም ዝመጹ ብጉያ፡፡ ስልጣን ኣብ ክንዲ ሓደራ ኢልካ ዝወሃብ ንቡቑዓት፡ ይወሃብ ንኒሕ ዘይብሎም ጡልቁዓት፡፡ ኣየ ጉድ፡ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ቆፎ፡ ንጣፍ ኣትሪፈ ንባልዶንጋ ተሕልፎ፡፡

ዘተ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ እምኒ ምግሃጽ’ዩ

ህ.ግ.ደ.ፍ. ብባህሪኡ ወግዒ ዝፈቱ ኣይኮነን፡፡ ዝኾነ ግርጭት ብሓይሊ እምበር ብዘተ ይፍታሕ ኢሉ ኣይኣምንን፡፡ ዋላ እኳ ልብን ሳዕርን እናሓደረ ደኣ ይብቆል እምበር፡ ልቢ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሲ ቀደም’ዩ ባዲኑ። ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ልቡ ተመሊሱ፡ መንገዲ ሰላም ክኽተል ኢልካ ምሕሳብ ኮንቶ’ዩ። እቶም ከምኡ ኢሎም ዝትስፈዩ ከኣ ኣብ ላም ዘይወዓለቶ እዮም ኩቦ ዝኣርዩ ዘለው፡፡ እምኒ ምግሃጽን፡ ዘተ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ሓደ’ዩ፡፡

ህ.ግ.ደ.ፍ. ርእስና ወቒዑ፡ እግርና ክሓክኽ ይፍትን። እዚ ግን ንዕድሚኡ ዘናውሕ ሜላ ደኣምበር፡ ሓልዮት ህዝብና ተሰሚዕዎ ኣይኮነን፡፡ በዚ ከኣ ክንጥበር፡ ክንግራህ የብልናን፡፡ እቲ ምስ መዳሕንቱ ዝመጽአ ኣመል፡ ምስ መግነዝ ኣይተ ኢሰያስ ጥራሕ’ዩ ዝቕበር።

ኣብ ፍትሕን ወግዕን ዘይፈልጥ ስርዓት፡ ሓይሊ ዘይብሉ ተቓላስን፡ ስንቂ ዘይብሉ ከሳስን ሓደ እዮም፡። እቲ ገንዘብ ዘለዎ የምልጥ፡ እቲ ዘይብሉ ይቕለጥ። ነዚ ዘስተውዓሉ ከምዚ ኢሎም ይምዕዱ፡ “ሓደው ተቓለስ ተዓጢቕካ፡ ሓደው ህደም ኣርሒቕካ።”

ቃልሲ ከም ኩነታቱ ኢዩ ዝግጠም እምበር፡ ከም ድሌትን ቲምኒትን ኣይኮነን። ዕዳጋ ቃልሲ ከም ዝጸናሓካ እምበር፡ ከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካ ኣይኮነን። ነቲ ሓቅን ኩነታትን ብግቡእ ቀይስና፡ ንዕኡ ዝማጠን ተግባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ’ዩ ዝሓሸ። ኣናፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይፈልጥካ፡ ሃዳናይ’የ ምባል ኣየምሕርን። ኣብ መወዳእታ፡ ምቅዳም እምበር፡ መልክዕ ጉያ’ዶ ኣሎ፡፡

ነዚ ሓዊ ተቓውሞ ሓደው ኣንዲድካ ምማቑ፡ ሓደው ኣጥፊእካ ምርሓቑ። ነዚ ብልሹው ስርዓት ሓርጭ ሰይጣን እናተለቀሐ፡ ኣብ ሙሉእ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝጽሕትሮ ዘሎ ሓዊ፡ ከይበለዐ ጋሕ ምባሉ። ኣብ ታሪኽና ይኹን ኣብ ታሪኽ ካልኦት ኣህዛብ፡ እቲ ቡዙሕ ዘየካትዕ ሓቅስ ከምዚ’ዩ፤ ቁኑዕ ዕላማ ጥራሕ ምሓዝ ፈይዳ የብሉን፡ ኣብ ዓወት ከብጽሕ እንድሕር ዘየኽኣለ፡፡ ከም ኣብርሃም ሊንከን ዝብሎ፡ “ቁኑዕ ዕላማ ሒዝካ እንድሕር ዘይተዓወትካ፡ ምልዮን መላእኽቲ ቁኑዕ’ዩ ነይሩ ኢሎም እንተመስከሩ ትርጉም የብሉን።”

ልክዕ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብመትከል ዝቕየድ፡ ትካላዊ ዝኽሪ ዘለዎ መንግስቲ ኣይኮነን። ንዕለት ጥቕሙ ኢሉ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ዝቀያይር’ዩ። ኣይተ ኢሰያስ ካብ ኣብ ዓራቱ ኣብ መትከሉ ዝተገላበጦ ይበዝሕ። ኣብቲ እውን ውግእ ብግዝያዊ ዓወት ሰኺሩ፡ ንዓ ዕርቂ ግበር ክበሃል ከሎ ብጃህራ ዕጭ ኢሉ ሓንፈፉ። ከም መርዓት ምስ ሰብኣያ ደቅሲ እንተበልዋ ልማኖ ዝመስላ፡ ዕርቂ ምስ ኢትዮጴያ ግበር ልማኖ መሲልዎ፡ ኣብ ፈረሱ ኩድጭ ኢሉ  ብየማን፡ ብጸጋም፡ ብፊት ዝነበረ ሓላው ሃገር ህጀም ኢሉ ንህልቀት ፈረዶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ፡ ዝሞተ ምስ ሞተ ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ዕረቑኒ ኢሉ ኣብ ብርኪ ግኖት ወደቐ። ኣየ ባዕልኻ ተምጽኦ ውርደት።

ኣይተ ኢሰያስ ክዳን ሰብ ዝተኸደነ ሕፍረት ዘይፈልጥ ኣራዊት እዩ። እዚ ዳግማይ ክርህጽ፡ ዓዘፍዘፍ ዝብል ዘሎ ዑቡድ፡ ኣሹንካይ ዶ ሃገር ክመርሕ ሲ፡ ኣብ ዝኾነ ቆልዑት ክቐርብዎን ክሕዝዎን ዘይግባእ፡ ከይቐርብ ወትሩ ሑሕ ዝብሎ ሓላው-ደንበ ክንኣስረሉ ምስተገበአ። ቀዳማዩ ከይኣኽለና፡ ህውኽ-ህውኽ ኢሉ ኣብ ዘየድልየና ውግኣት ኣእትዩ ቀርኒ ኣንኪስና፡ ሎሚ ቅነ ከኣ፡ ሓዊ እንዳመጸ ሳዕሪ ትኸዲኑ ይፍክር ኣሎ። ኣየ ኣንጭዋ ኣይተ ኢሰያስ፡ ሃጢረ ኢላስ ባዕላ ኣፍንጫ ዱሙ ትልሕስ።

ብግርጻነይ ዘምጻኽዎ ጥንሰይ፡ ባዕለይ ክንሰሓሉ ምስ ቀሸይ

ሓንቲ ጽብቕቲ ወይዘሮ፡ ዓይና ዝዘራ፡ ምስ ዘይሰብኡታ ክምስምስ ጀመረት። ብከንፈር ሰበይትን ሜስን ዘይሓምቕ ውሑድ እንድዩ መቸስ፡ ሓደ ጎቦዝ ልቡ ደረቱ፡ ብፍሽኽትኣ ተማሪኹ ብዙሕ ተባሃጋ፡ ካብ ምሕጣ’ውን ኣይድሓነን። ወዮ ቆንጆ ወይዘሮ ብዝተፈላለየ ሜላታት ጌራ ንበዓል-ቤታ ትጥብሮ ነበረት፡ ሕጂ ግን ክትሓብኦ ዘትኽእል ጥንሲ ስለ ዝመጻ፡ ንኽትናሳሕ ተገደደት። ብግርጻነይ ዘምጻኽዎ ጥንሲ፡ ባዕለይ ክንሳሓሉ ምስ ቀሸይ ኢላ ናብ ኣባት-ነብሳ ከይዳ ተናሰሐት።

እዚ ባዕሉ ዘምጽኦ ናይ ሕቡራት-መንግስት እገዳ፡ ኣይተ ኢሰያስ ኣብ ብርኪ ህዝቢ ኤርትራ ተደፊኡ ክናሳሕ ኔይርዎ። እዚ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ መቕጻዕቲ፡ ብመሰረት ምዕራፍ ሸውዓተ ቻርተር ሕቡራት-መንግስታት፡ ብቐሊሉ ዝርአ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ብዕሽነት ኣይተ ኢሰያስን፡ በጀካ እሺ ካልእ ዘይፈልጡ ኮራኩሩን፡ ዝትከል ዘሎ እንገዳ፡ ብቐሊሉ ዝንቀል ኣይኮነን፡ ስምብራቱ እውን ብሓጺር ግዜ ክሕከኽ ኣይከኣልን።

እቲ ካብ ነዊሕ እዋን እናኸፈአ ክመጽእ ዝጸነሐ ምስሊ ሃገር፡ ኣብ ዝበኣሰ ጠርዚ ኣብጺሕዎ። ጥበብን ሜላን ዝግበኦ ኣህጉራዊ ጉዳያት፡ ኣብ ክንዲ ብወራዙትን ለባማትን ዝተሓዝ፡ ብካብ ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ክርእዩ ዘይኽእሉ ሰባት ተታሒዙ፡ ኣደዳ ፍሽለት ይኸውን ኣሎ።

እዚ ካብ ምህሮስ ኣእምሮ ኢልካ ክግበር ዝጸነሐን ዝቕጽልን ዘሎ ኣንጻር ምህሮን ብቕዓትን መኸተ እዚ’ዩ ትርፉ። እቲ ወግዕስ ኣእምሮ ምስ ምህሮ፡ ጠስሚ ምስ ሽሮ ኢልካ፡ ዝበለጸ ዕንጨይቲ ንታቦት፡ ዝበለጸ ሰብ ንሽመት እዮ ክኸውን ነይርዎ። በጀካ ስልጣኑ ካልእ ዘይዓጦ ኣይተ ኢሰያስ ግን፡ የኣይ ናይ ኣህጉራዊ ፖሎቲካ ሊቅ ኮይኑ፡ ታሪኽ ዙሑል-ውግእ ጌሩ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ናይ ባዕዲ ጥርጠራን ፍርሕን በዝቢዙ፡ ንኹሉ ድኽመታቱን ፍሽለቱን ክሽፍን፡ ኩሉ ኣበርን ሽግርን ኤርትራ ንሲ.ኣ.ኤ. ኣረኪብዎ።

ሕፍረት ዘይስምዖ ሰብ፡ ኩርዓት የብሉን፡ ኩርዓት ዘይብሉ ከኣ፡ ሓላፍነት ኣይስከምን፡ ዝጋገ ኮይኑ’ውን ኣይስመዖን። እዚ ሕማም’ዩ። ከምዚ ዓይነት ዘለዎ ሕማም ሰብ፡ ሓደገኛ’ዩ፡ ንስልጣን’ውን ቡቑዕ ኣይኮነን። እምበኣርከስ፡ ኣብ ዘይንወጾ መዋጥር ከይየእተወና ከሎ፡ ካብ ስልጣኑ ከነላግሶ ይግባእ። ኣይተ ኢሰያስ ክመርሕ ቡቑዕ ኣይኮነን። እሞ ተሎ ደኣ ንበል ከይንዕሎ።

ከይ ተደፈአ ዝወደቐ ስርዓት የለን

ሓደ ካብ’ቲ ወገሐ-ጸበሐ ዝደጋገም፡ ቁም-ነገር ዘይብሉ ዘረባ ከም’ዚ ይብል፡ “ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ባዕሉ ጡብ ኢሉ ክወድቕ’ዩ፡ ብጠገለ ዘይብሉ ኣዋድቓ ፈርክሽክሽ ኢሉ፡ ዘይኸይድ ስምብራት ከይገድፍ ግን፡ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ሶል ነንጽፈሉ።” እዚ ዓጽሚ ዘይብሉ ኣተሓሳስባ፡ ንዒቕካ ክትከድፎ እኳ ቀሊል እንተኾነ፡ ንግዚኡስ ነቲ ናይ ምድንጋር ዘራጌቶ ዘይግባእ ዲል ይህብ ኣሎ። እዚ ዑቡር መረዳእታ፡ ነቲ ክቃለስ ዘይደሊ ባእታ ምኽኒት ክኾኖ እካ እንተበቐዐ፡ ነቲ ድሉው ተቓላሳይ ዕንቅፋት ክኸውን ኣይግባእን። ነዚ ኣብ ዝባን ሓቀኛ ተቓላሳይ ኮይኑ፡ ቀሚስ ኣደይ ሓንጊልኒ ዝብል ዘሎ ተመን (ምኽኒት)፡ በቲ ዱላ ሓቅስ፡ ርእሱ-ርእሱ፡ ጢል-ጢል ክብል ከሎ ደኣ ምጭፍላቑ።

እቲ ዘየካትዕ፡ ጭቡጥ ነገር ከምዚ’ዩ። ከይ ተደፈአ ባዕሉ ዝወድቕ ዝርዓት የልቦን። እዚ ካብ ታሪኽ ይኹን፡ ወይ ሰነ፡ ከምልጥ ዘይኽእል መጎተ’ዩ። ክንደይ መንግስትታት ሓሙስ-ሓሙስ እናበላ፡ ዳግማይ ዊሄት ረኺበን ዕድምኤን ዘናወሓ ውሑዳት ኣይኮናን። ዝኾነ ስርዓት፡ ዕድሚኡ ክሓጽር እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ለውጢ ዝደሊ ኣካል፡ ዝግበኦ ጻዕሪ ምስ ዘካይድ፡ እቲ ዝጥለብ መስዋእቲ ምስ ዝከፍል’ዩ።

ህ.ግ.ደ.ፍ. ባዕሉ ክወድቕ ኢልካ፡ ኢድካ ምጥማር፡ ሕልሚ ደርሆ’ዩ። እቲ ሓቅስ፡ ዋላ ሽሕ እንተደኸመ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ባዕሉስ ስልጣን ከረክብ ዘበት’ዩ። ሽሕ እንተተጸለአ ምፍሳስ ደም፡ ፍታሕ ኣይምጽእን ማለት ኣይኮነን። ኩሉ አእዋኑ ኣለዎ፡ እዋን ውግእ ኣሎ፡ እዋን ሰላም’ውን ኣሎ።

እዋን ሰላማዊ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምእሳር ጉጅለ 15 ጽቡቕ ዕድል ረኺቡ ነይሩ። እቲ መንግስቲ ግን፡ ንኹሉ መዳያት መግለጺ ተቓውሞ ስለ ዝተቖጻጸሮ፡ ህዝቢ እውን ፍኒሕኒሕ ስለዘይበለ፡ እቲ ዕድል ቅሂሙ ተረፉ። ዋላ እካ ሰላማዊ ቃልሲ ቀዳማይ ምርጫ ኩሉ ኤርትራዊ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኣድማዒ ኣይኮነን። ኣብ ዘይሰምዓካ ደርቢ ምምህላል ከኣ’ዩ። ነዚ ተገንዚብና፡ ከዕውተና ዝኽእል ዕርዲ ቃልሲ ምኽታል’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሽሕ ዝፈተኻዩ በርበረ፡ ስለ ዘይኸውን ዕጣን።

ምስ ሰብካ መዓት፡ ዳርጋ ገዓት፡ ንኽትቃወም ግን ኣይህብን ትብዓት

ህዝቢ ኤርትራ ሓርቢትዎ ኣብ ደልሃመት ይነብር ከምዘሎ ዓይነ-ስውር ዝምስክሮ’ዩ። እዚ ሕማቕ መዓት ወረድዎ ዘሎ ህዝቢ፡ ዋላ እካ ብዙሕ እንተትሸገረ፡ እቲ ሽግሩስ ኣብ ተቓውሞ ኣይተቐየረን። እቲ ሕሰም ከም ስጋ ጉዚ ተምቒሉ፡ ኣብ ኩሉ እንድሕር ተዘርጊሑ፡ ሕሰም ምኻኑ ይርሳዕ።

ብሕሰምን መከራን ዝላዕጠጠ ህዝቢ ናይ ዓቕሚ ተቓውምኡ ብጣዕመ ትሑት’ዩ። እቲ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ እናነበረ፡ ብዕለታዊ መግቡ ጥራሕ ወትሩ ዝሻቐል፡ ኩሉ ነገር ኣዋዲቑ፡ ናብ ጸለቱ የምርሕ። የግዳስ እግዝኣብሄር ከም መጽሓፍ መቲወስ ዝብሎ ነቲ ዘለዎ ዝያዳ ይውስኾ፡ ካብቲ ዘይብሉ ኸኣ ዝያዳ ይወስድ። እቲ ፍሕትሕት ዘይብል ህዝቢ፡ እታ ኣርዑት ጭኮና መሊሻ ትጎዶ።

እሞ ህዝቢ ፍሕትሕት ክብል፡ ዝሕብሕቦ መሪሕነት የድሊ። ብዘይ ጡርኑፍን ስሙርን ኣወዳድባ ዝተዓወተ ተቓውሞ የልቦን። ቅድም-ቀዳድም፡ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ተቓወምቲ ምኻነን ክስሕታ የብለንን። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ምልኪ፡ ንሰን ከኣ ናይ ዲሞክራሲ ምርጫ ኮይነን፡ ደገፍ ናይ ህዝቢ ክረኽባ ዝወዳደራ ኣይኮናን። ህ.ግ.ደ.ፍ. ተቓወምቲ ውድባት ወይ ሰልፍታት ከም ዘለዋ ዘይኣምንን፡ ሃገራውነተን ክሒዱ ክድምስሰን ዝተዳለወ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ተቓዋማይ፡ ተቓዋማይ ዘብሎ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ክለሳ-ሓሳብ (ኣይድዮሎጂ) ፍልልይ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን። ተቓዋማይ ኤርትራ ንዝተዘረፈ መሰሉ፡ ንዝተቐንጠጠ ክብሩን ክመልስ ዝተሰአ ሓይሊ’ዩ። ሓይሊ ዘይብሉ ተቓውሞ ከኣ ምሳር ብዘይ ሓኽሊ እዩ። ንዝተዘምተ ማል ክመልስ፡ ተቓዋማይ ሓይሊ፡ ዝመችኦ ኣገባብ ክሕዝ፡ ዝኽንኖ ሕጊ ሰብ ይኹን ሕጊ እዝጊ፡ ሕጊ-ልቢ ይኹን ሕልና የልቦን። እቲ ምርጫ ሕቶ ናይ ዋጋን ረብሓን ደኣእበር፡ ሕቶ ናይ ቁኑዕን ዘይቁኑዕን፡ ሓላልን ሓራምን ኣይኮነን። ዝሓሰረ ዋጋ ከፊልና፡ ዝበዝሐ ረብሓ እንረኽበሉ መገዲ ምኽታል’ዩ እቲ ዝለዓለ ጥበብን ዝበለጸ ልቦናን።

ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝረብሕ ሓቀኛ ኤርትራዊ የልቦን። ቀጻልነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕንወት ሃገር’ዩ፡ ምውዳቕ ህ.ግ.ደ.ፍ. ከኣ ህንጻ ሃገር’ዩ። ሃገር ክትድሕን እቲ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ብልሹው ስርዓት ብዝቀልጠፈ ክቕየር ኣለዎ።

መዓስ ሃገራዊ ዋዕላ?

ሃገራዊ ዋዕላ እቶም ሽሕ እንመኽረሉ፡ ንሓደ ዝውርውር ቆጽሊ እነምብረሉ ባይታ እዩ። ብሃገራዊ ሓላፍነት ተቐይድና፡ ብመንፈስ ሓድነት ተመሪሕና፡ ንዝጽበየና ዘሎ ህዝቢ ወንጌል ሰላምን ፍቕርን ስኒትን ከነበስሮ ዓቢ ዕድል እዩ። ኣብዚ ዋዕላ ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ፡ ምእንቲ ሓበራዊ ረብሓ፡ ዝግባእ መስዋእቲ ክንከፍል ድሕር ክንብል የብልናን። ብስርዓት፡ ብኣገባብ፡ ሓላፍነትና ከይዘንጋዕና ክንዛተ ይግባእ። ኩፉእ ዘተ ስለ ዝኸፍእ ካብ ዘመተ።

እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ እውን ብመጠኑ ስኒታዊ ዋዕላ ክኸውን ኣለዎ። ካብ ሕቡእ ፍቕርስ፡ ግሉጽ ተግሳጽ ስለ ዝሓይሽ፡ ነፍስ-ወከፍና ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንናበር ዝከኣለና ንግበር፡ ምኽንያቱ ብግብርን ብሓቅን ደኣምበር ብቃልን ብልሳንን ምፍቓርን ምሕባርን ስለ ዘይከኣል።

weriz@yahoo.com

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares