Awate.com

ህሉው ኩነታት ሃገርና ብመንጽር ከባቢናን ዓለምን

I. ሹኩሹካን ስልታዊ ምንስሓብ ስርዓት ኢሳያስን

ኣብ ‘ዚ ዘሎናዮ ፈታኒ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ህድእ ኢሉ ኣስተውዒሉ ኣብ ‘ቶም ሕመረት ሕሰሙን መከርኡን ዝኾኑ ጉዳያት ኣቶኪሩ ክቃለስ ዝፍትን፡ ነቶም ቀንዲ ሕመረታትን ጠንቅታትን ረሲዑ፡ በቶም እናሻዕ ዝቕልቀሉ ፍጻሜታት እናተገፍዔ፡ መኣዝኑ ስሒቱ ኣብ ‘ቶም ሕሰሙን መከራኡን ዝፈጠርዎም ሳዕቤናት ኣድሂቡ ኮለል ክብልን ኣብ ዘየድልዮ ናይ ሹኩሹካ መንገዲ ኣትዩ ክጎዓዝ ጸኒሑን ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ‘ቲ ሕማቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ብዙሕ ጽቡቕ ተመኩሮታት ኣለዎ። ከም ህዝቢ ኤርትራ ጌሩ ኲናት ዝረኣየን ዝፈልጥን የልቦን እንተ ተባህለ ‘ውን ምግናን ኣይኮነን። ህዝብና ነቲ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ነቲ እቲ ኲናት ሓዲግዎ ዝኸደ ቃንዛታትን በሰላታትን፡ ብግብሪ ርእይዎን ተቖንዚዎን ‘ዩ። እቲ ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ኣንጻር ዓማጺ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ዝተኻየደ ይኹን፡ እቲ ኣብ ሕድሕዱ ዘካየዶ መሪር ናይ ኲናት ረጽምታት፡ ኣብ ህዝብና እዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘይትኽእል ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ስነኣእምሮኣውን ዕንወታት ኣኸቲሉ ‘ዩ።

ኤርትራ ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ሰላማውን ጎነጻውን ቃልሲ፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ሓድሕዶም ዝራጸሙ ናይ ኣወዳድባ መድረኻት ሰጊራ ኣብ መጨረሽታ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዘየገላብጥን ስጡምን ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ ኣሽሓት ቀያሕትን ጸለምትን ደቃ ከፊላ ነጻነት ኣምጺኣ። እቲ ስለ ነጻነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ነጻነትን ልኡላውነትን ሃገር ስለዘረጋገጸ ቅቡል ‘ዩ ተባሂሉ ምተሰግረ፡ እንተ ኾነ እቲ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ነጻነት ንምምጻእ ጥራሕ ኣይነበረን። ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ‘ታ ደሙ ከፊሉ ዘምጽኣ ሃገር፡ ነጻነቱ ኣውሒሱን ቀሲኑን ብሰላምን ብራህዋን ንክንነብረላ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ነጻነት ህዝብና ንዝተወሰነ እዋን ጥራሕ እዩ እፎይታ ረኺቡ፡ ድሕሪኡ ግን ግዜ ኣይወሰደን እቲ ሓደን ዘየገላብጥን ስጡም ወተሃደራውን ፖለቲካውን ውዳበ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓማጺ ስርዓት ፈጢሩ፡ ንህዝብና ብሓይሊ ረጊጹ ኣብ ረብሓን ድሌትን ናይ ዝተወሰኑ ዓመጽቲ ከም እትወድቕ ጌርዋ ይርከብ። እቲ ዝነበረ ባህጊ ተጓዕጺጹ ሃገርና ናብ ዘይተደልየ መንገዲ ኣምሪሓን ህዝባ ድማ ናብ ቀሲኑ ዘይነብረላ ጋሃነም ተቐይራ። እቲ ኣብ ‘ዚ እዋን ከም ናይ ቃልስና ሕመረት ጌርና እንወስዶ ቀዳማይ ዕማም እምበኣር፡ ነዚ ሕጂ ንሃገርና ኣብ ሕሰምን መከራን ኣውዲቑ ናብ ዘይተደልየ መንገዲ ዝመርሓ ዘሎ ጉጅለ ኣሊና፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እትኽተል፡ ህዝባ ቀሲኑ ዝነብረላ ልኡላዊት ሃገር ክትህልወና ምግባር ‘ዩ። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮታትና ገምጊምና ኣብ ንቑሕን ስጡምን ፖለቲካዊ ውዳበ ተጠርኒፍና ነቲ ጨፍላቕን ዘየገላብጥን ናይ ስርዓት ኢሳያስ ጉጅለ ምብዳህ ‘ዩ።
ስርዓት ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅልውላው እናኣእተወን መመኽነይታታት እናፈጠረን እዩ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ጸኒሑን ዘሎን። እዚ ጉጅለ ‘ዚ ነቶም በብግዚኡ ዝፈጥሮም ቅልውላዋት ናይ ምምሕዳር ብቕዓቱ (Crisis Management) ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ። ኣብ ድሕሪ ‘ቶም ቅልውላዋት እናተሓብአ ‘ዩ ዝነብር። ስርዓት ኢሳያስ ካብ ዝነበሮ ናይ “ልዕልና” ትምክሕቲ ተበጊሱ ንመብዛሕትአን ጎረባብቲ ሃገራት ክቶኽበን ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ድማ ህዝቢ ናብ ‘ቲ ንሱ ዝደልዮ ናይ ምዕባለ ለውጢ – ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን – ኣድሂቡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንከይተክል ንምዕንቃፉን ኣቓልቦኡ ንምዕጻፍን ተባሂሉ ክግበር ዝጸንሐ ‘ዩ።

ነቲ ካልእ ንግዚኡ ኣጽኒሐ ነቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ዝኸፈልናሉን ቁጠባና ባይታ ዘቢጡ ካብ ‘ተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ንኽንከውን ዝገበረና፡ ነቲ ኣብ ድሕሪ ነጻነት ምስ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ካብ 1998 – 2000 ዝተገብረ ኲናትን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ሰለሎን ኣመልኪተ ክተናኽፍ ክፍትን ‘የ። እቲ ዝሰዓበ ጸበባን ሽግርን ሙሉእ ዓለም ዝመስከሮን፡ እቲ ነቲ ኩነታት ዝፈጠረ ቁንጮ ስርዓት ከይተረፈ ባዕሉ ዝተኣመነሉን ዝገለጾን ሓቂ ‘ዩ። እዚ ቁንጮ ስርዓት ግን፡ ንኹሉ ነገራት ምስ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኑ ኣተኣሳሲሩ ስለ ዝርእዮ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ይኹን ህዝባዊ ቅሳነት ንዕኡ ኣይእንታዩን ‘ዩ።
ድሕሪ ኲናት ባድመ፡ ህወሓት ካብ ዓለምለኻዊ ፍርዲ ርሒቓ (ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ) ንመሬትና ተቖጻጺራ ኣይወጽእን እየ ብምባል ንኣስታት 20 ዓመት መመላእታ ተቖጻጺራቶ ጸኒሓ። ኢሳያስ ‘ውን ነቲ ዝተፈጥረ ኩነት መዝሚዙ “መሬትና ተወሪሩ ኣሎ፡ ክሳብ መሬትና ንመልስ ምስ ህወሓት ዝኾነ ዝርርብ ኣይከነካይድን ኢና” ብምባል ንኩሉ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ምዕባለ ሓኒቑ፡ ንኤርትራ ኣብ ክንዲ ብሕጊ ብሓይሊ ክገዝኣ ጸኒሑ። ኣብ 2018 ጠቕላሊ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ስልጣን ደይቡ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቐቢለዮ ምስ በለ ድማ፡ ስርዓት ኢሳያስ “ምስ ኣምሓራ ብሓባር ክትሰርሕ ይትረፍ፡ ብሓባር ክትልምን ‘ውን ኣይትኽእልን ኢኻ” ይብል ከም ዘይነበረ፡ ግልብጥ ኢሉ “ምሕንጻጽ ዶብ ዘሀውኸና ጉዳይ ኣይኮነን፡ ኣብ ‘ዚ እዋን ናይ ከባቢና ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸጥታውን ዕብየት ‘ዩ ቀዳምነት ዝወሃቦ፡ ንበይንና ተነጺልና ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢና፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና” ወዘተ . . . ዝብሉ ሓረጋት ከቃልሕ ተሰሚዑ። ቀጺሉ ‘ውን ናህሪ ብዝተመልኦ ተኣምራታዊ ቅልጣፈ፡ ምስ ዶክተር ኣብዪ ተሻሪኹ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሕድሕድ ኲናት ኩለንትናዊ ምትእትታው ጌሩ፡ ንመናእሰያትና ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ጠቢሱ ኣደዳ ጥፍኣትን ህልቂትን ጌርዎም ኣሎ።

ኣብ ‘ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብንቑሕ ሱታፈ ተጠርኒፉን ተወዲቡን፡ ነቲ ኩነታት ብግቡእ ኣምቢቡን ተረዲኡን፡ ኣብ ክንዲ ንኲናትን ህልቂትን ያዕ ኢሉ እምቢታ ዘስምዕን ንመንእሰያቱን ደቁን ካብ ሞትን ህልቂትን ዘድሕን: ኣብ ናይ ተዓዛብነት ቦታ ወሪዱ ህዝቡ ክሃልቕ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ይርኢ ኣሎ።፡ እቲ ኣብ ደገ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ‘ውን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ድምጺ ብምዃን፡ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ነቲ ናይ ኢሳያስ ጉጅለ ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ኲናት ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕ ምቅዋምን ጸቕጢ ምፍጣርን፡ ኣብ ‘ቲ እዚ ጉጅለ ተጨማሊቑ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ኲናት ሳዕቤን ተሸኺሉ፡ ገለ ናይ ወያነ፡ ገለ ናይ ኣብዪን ህግደፍን ጸግዒ ብምውሳድ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወይ ‘ውን ሰራዊት ወያነ ህልቂት ፈጺሞም ናብ ዝብል ቆይቂ ኣትዩ፡ ካብ ‘ቶም ክገብሮም ዝግብኦም ቀዳምነታት ርሒቑ፡ ኣብ ብኻልኣዊ ደረጃ ዝስርዑ ቆይቅታት ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ።

ርግጽ ‘ዩ ህልቂት ክኹነን ዝግብኦ ኢሰብኣዊ ተግባር ‘ዩ፡ እንተ ኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ‘ዚ ኲናትን ህልቂትን ዘጥብስ ምኽንያት ነይርዎ ኣይፈልጥን የብሉን ‘ውን። እዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ኲናት፡ ብቐዳምነት ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ንዓና ኤርትራውያን ዘገድሰና መሰረታዊ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ማእሰርትን መቕዘፍትን ስደትን ምዃኑ ኩልና ኤርትራውያን እንግንዘቦ ሓቂ ‘ዩ። ከም ‘ቲ ጽምብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነትሲ መሬት ትኸድን ዝብሃል ከይኮነና፡ መጀመርታ ገዛና ኣጽሪና ገዛ እንዳማትና ኣብ ምጽራይ ምትሕግጋዝ ክንገብር ይቐለና።

ምናልባት ገለ ሰባት ሃገርና ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዶብ ዘይተዓጽወ ጉዳይ ኣለዋ ክብሉ ይኽእሉ ይኾኑ። እንተ ኾነ እቲ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብውልቁ ምስ ወያነ ዘይተዓጽወ ጉዳይ ዝነበሮን ዘለዎን (ልዑል ኣንነታዊ ናይ ምዕብላል ጥሙሕን፡ ህልኽን ቅርሕንትን ዘለዎ) ኢሳያስ ‘ዩ ። ልክዕ ከም ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ንሕናን ኢትዮጵያን ክልተ ዝተፈላለና ሃገራት ኢና። እዚ ናይ ዶባት ጎንጺ ዳርጋ ንመብዛሕትና ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ‘ውን ይጸልወና ‘ዩ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ኲናት ሓድሕድ ምስ ተወልዔ፡ ሱዳን ነቲ ዝነበረ ኩነታት መዝሚዛ ብዉሑድ ክሳራ መሬታ መሊሳ፡ ዝለዓለ ቦታ ሒዛ ኣብ ዝርርብ ንእቶ ትብል ኣላ። ንሕና ‘ውን

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ነቲ ኩነታት መዝሚዝና ብዉሑድ ክሳራ መሬትና ክንመልስ ጸገም ኣምበይ ምኾነን ነይሩ። ስርዓት ኢሳያስ ግን ቅድሚ ሎሚ ንዶብ ከም መመሳመሲ ተጠቒሙ ንሃገር ምልእቲ ጅሆ ሒዝዋ ምጽንሑ ከይኣክል፡ ሕጂ ‘ውን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይናቱ ኲናት ሸሚሙ ዳግም ጅሆ ሒዝዎ ይርከብ ኣሎ። እቲ ጸገም ‘ውን ኪኖኡ ዝሓልፍ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዘይወጽእ ጽልእን ቅርሕንትን ፈጢሩ፡ ነቲ ብሰላም ዝነብር ዝነበረ ጎረባብቲ ህዝቢ ንመዋእሉ ቀሲኑ ንከይነብር ጌርዎ ኣሎ።

ኢሳያስ ልኡላውነት ሃገር ተደፊሩ ዘሕምሞ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ኣብ ‘ዚ እዋን ኣብ ክንዲ ናይ ዶብ ጉዳይ ዓጽዩ፡ ኣብ ውራይ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ዕብየት ሃገር ዘቋምት፡ “ካብ ዶብና ንላዕሊ ናይ ከባቢና ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸጥታውን ዕብየት ‘ዩ ዘገድሰና” ኢሉ ኣብ ዘይምልከቶ ካልእ ኲናት ኣይምተመጣጠረን። ኢሳያስ እተን ዘመሳምሰለን ዝነበራ ጉዳያት፡ ማለት ጉዳይ ዶብን ጉዳይ እገዳን እንድሕሪ ተፈቲሐን፡ ተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮኑ እቶም ደገፍቱ ከይተረፉ (ሓደ ሓደ ‘ውን በጨቕ ከብሉ ጀሚሮም ጸኒሖም)፡ ቅዋም ክትግበር፡ ምርጫታት ክካየድ፡ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ይኹን ከም ድላይካ ናይ ምንቅስቓስ መሰላት ክህሉ፡ ግዝኣተ ሕጊ ክነግስ … ወዘተ ክሓቱ ግድነት ክኸውን ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሂወቱ ናብ ንቡር ክምለስ ክጠልብ ስለ ዝኾነ ድማ – እዚ ኸኣ ንኢሳያስ ዕለተ ግብኣቱ ስለ ዝኾነ – ስርዓት ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ኲናት ናብ ኲናት እናኣሳጋገረ ጥራሕ ‘ዩ ክገዝእን ክነብርን ዝኽእል።

ኢሳያስ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣሳቢቡ ምስ ኣብዪ ብምምሕዛው፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዕንወትን ህልቂትን ፈጺሙ ኣሎ። እዚ ኣብ ባይታ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ድማ ምስ ሓያላት ሃገራት ኣሰሓሒቡ እንደገና እገዳ ከም ዝምለስ ጌሩ ኣሎ። ድሮ እቲ ናይ ኤርትራ ናይ ጸጥታ ትካል (ሃገራዊ ድሕነት)፡ ብኣውሮፓዊ ሕብረት እገዳ ተነቢሩሉ ኣሎ፡ ስዒቡ ‘ውን ብቐንዱ እቲ ናይ ኢሳያስ ስርዓት እገዳ ኣንጸላልይዎ ይርከብ ኣሎ። ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ዝተፈላለያ ዓለማውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ትካላትን፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ውድባትን ማሕበራትን፡ ናይ ዓለምና ዓበይቲ ናይ ሚድያ ማሕበራትን ትካላትን፡ መንግስታትን ኣቓልቦ ኣምቢረናሉ ይርከባ ኣለዋ። ኢሳያስ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅንጣብ ሓልዮት ስለ ዘይብሉ፡ ምስ ‘ቲ ክፍጠር ዝኽእል ኩነታት (እንተ ዘይመትክን ጥዕና ኣለክን) እናተሰማምዔ – እገዳ እናኸረረ እንተ ኸደ ‘ውን ነቲ እገዳ ዳግማይ ከም መመኽነይታ ተጠቒሙ – ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ስልጣኑ ክቕጽል እዩ ክፍትን።

ካብ ‘ዚ ኩነታት ተበጊስና እምበኣር ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ‘ዚ ኲናት ንክኣቱ መን ‘ዩ ቀሲብዎ? እዚ ኲናት ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ መኽሰብን ክሳራን ኣስዒቡሉን ከስዕበሉን ‘ዩ? እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኲናትን ናይ ኤርትራ ምትእትታውን ከ እንታይ ሳዕቤናት ኣኸቲሉ? ንቐጻሊ ኸ ብኸመይ እዩ ክጸልዎ? ዝብሉ ነጥብታት ከነልዕል ክንግደድ ኢና።

ኣብ ‘ዚ ብዙሕ ኣብ ዝርዝር ከይኣተኹ፡ እቲ ንዓይ መሲሉ ዝረኣየኒ ነጥብታት ከቐምጥ ‘የ፡ እቲ ዝሓሸ ርእይቶ ኣሎኒ ዝብል ድማ ደገፉን ነቐፌትኡን ከቐምጥ ካብኡ ተበጊስና ድማ ኣብ ዝሓሸ መደምደምታ ክንበጽሕ ነብሲ ወከፍ ግዱስ ኤርትራዊ ርእይቶኡን ሓሳባቱን ከቐምጥ፡ ክካታዕ፡ ነቲ ዝሓሸ ዝበሃል ሓሳብ ከቕርብ ድማ ጻውዒተይ የቕርብ።
ንገሊኡ ነጥብታት ኣብ ላዕሊ ቁሩብ ተናኺፈዮ እሃሉ እምበር፡ ቀጺለ ኣብ ‘ተን ክልተ ቀዳሞት ሕቶታት ተወሳኺታት ከቐምጥ ክፍትን ‘የ። ኢሳያስ ከም ባህሪ እቲ ሓደን ንበይኑን ንኤርትራ “ዝሓልን”፡ ዝኾነ ክገብሮ ዝደሊ ድማ ንህዝቢ ይኹን ን “ወከልቲ ህዝቢ” ከየማኸረ ስጉምቲ ዝወስድ ሰብ ምዃኑ ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ ‘ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንሰራዊት ኤርትራ ብዘይ ድሌቱ ኣገዲዱ ናብ ‘ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ከም ዘእተዎ ብዙሕ መደረ ዘድልዮ ኣይመስለንን።

ኢሳያስ እቶም ዝጻወተሎም ዝነበሩ ናይ ጠላዕ ካርታታት (ባድመን እገዳን) ምስ ወድአ፡ ካብ ‘ቲ ካብ ናቱ ዘይውሕድ ናይ ምዕብላል ጥሙሕ ዘለዎ ተምሃራዩ – ካብ ‘ቲ ወላዲተይ ናይ ኢትዮጵያ ሻብዓይ ንጉስ ክትከውን ኢኻ ትብለኒ ነይራ እናበለ ዝናን ልዑል ስምን ንከትርፍ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ንእሽቶይ ተምሳሉ (Royalist) ጠቕላሊ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ – ሓደሽቲ ናይ ጠላዕ ካርታታት ክዕድግ ነይርዎ። ኢሳያስ ነቲ ብናይ ዶብ ኲናት ተሳቢቡ ምስ ወያነ ዝተወልዔ ኲናት ዝፈጠረሉ ስዕረት ሕነ ንምፍዳይ ይኹን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀንዲ ጉዳዩ ኣውጺኡ ኣብ ኲናት ጠቢሱ ጅሆ ንክሕዝ፡ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ተሰማሚዑን ነቲ ኣብ የመን ዝተፈጥረ ሕድሕድ ኲናት መዝሚዙን፡ ኣብ ጎድኒ ስዑዲን ኢመረይትስን ተጸጊዑ፡ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ናይ ሓባር ናይ ስልጣን ጥቕሚ ቃል ኪዳን ኣሲሩ። ክሳብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኣይኮኑን ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ ‘ዩ፡ ኣብዪ ባዕልኻ ምርሓና፡ ምሉእ ውክልና ሂበካ ኣለኹ . . . ወዘተ ኣብ ምባል በጺሑ።
ካልእ ናይ ቀረባ ኣብነት ንምጥቃስ፡ እቲ ንመንግስቲ ኢመረይትስ ኣብ ዓሰብ ንክትዕስክር ዝተገብረ ስምምዕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዝተፈጸመ ኣይፈልጥን ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብኡ ምእታዎም ‘ውን ዶንግዩ እዩ ፈሊጡ። እቲ ዝተገብረ ስምምዓት ‘ውን እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን ‘ዩ። ናይ ሕጂ ምውጽኦም ‘ውን ብናይ ዓለም ናይ ዜና ማዕከናት እዩ ሰሚዕዎ። ህዝቢ ኤርትራ ንኢመረይትስ ናብ ኤርትራ ንከይትኣቱ ስለ ዘይገበረ ተሓታቲ ድዩ? ኢልና ምስ እንሓትት ኣይፋልን እዩ እቲ መልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ንዕኡ ናይ ምግባር ዓቕሚ የብሉን።

ሰራዊት ኤርትራ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ኲናት ክኣቱ እምቢ ስለ ዘይበለ ገበነኛ ድዩ? ንዝብል ሕቶ ‘ውን ኣይኮነን ‘ዩ መልሱ፡ ክሳብ ንቑሕን ስጡምን ውደባ ዘይገበረ ሓንቲ እመት ‘ውን ክስጉም ኣይክእልን ‘ዩ። እቶም እምቢ ዝበሉ እንተ ኾኑ ‘ውን ስጡም ውደባ ስለ ዘይነበሮም ‘ዮም ዝድግፎምን ዝከላኸለሎምን ስኢኖም ኣደዳ ማእሰርቲ ኮይኖም ዘለዉ።

ካብ ኩነታት ርሒቕና ኣብ ደገ ኮፍ ኢልና ኣእዳውና ኣጣሚርና ኣብ ናይ ሚድያ ቤት ፍርዲ ተኾይጥና፡ “ሰራዊት ኢሳያስ” ዶ ሰራዊት ኤርትራ ገበነኛ እዩ እናበልና ዝተፈላለዩ ፍርድታትን ውሳኔታትን ክንህብ ሞራላዊ ሓላፍነት የብልናን። እቲ ኩነታት ንከይፍጠር ንሕና ከም ህዝቢ እንታይ ዘበርከትናዮ ስራሓት ኣሎ? ኢልና ንነብስና ክንሓትት ይግባእ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምትእትታው ንክፍጠር ምኽንያት ዝኾኑ ዉሑዳት ሰብ ረብሓ እዮም፡ ህዝብና ይኹን ሰራዊትና ነዚ ኩነታት ክፍጠር ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብ ዘይፈልጦን ኣብ ዘይናቱን ኲናት ተጠቢሱ ሂወቱ ክኸፍል ዝብገስ ፍጡር ‘ውን የልቦን። ህዝቢ ኤርትራ እንተ ኾነ ‘ውን ብዘይካ ገለ ዉሑዳት ተበለጽቲ – ኣብ ርሑቕ ሰፊሮም ደቆም ሓቒፎም ናይ ኲናት ከበሮ ዝሃርሙ – ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣብ ዘይፈልጥዎ ኲናት ክጥበሱ ብፍጹም ኣይቅበሎን ‘ዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ‘ዚ ዘይናቱ ኲናት ኣትዩ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ኣይደልን ‘ዩ ኢልና እንተ ደምዲምና፡ ስለምንታይ ደኣ ‘ዩ እዚ ኩነታት ጋህዲ ኮይኑ? ዝብል ሕቶ ‘ዩ ዝስዕብ። እቲ መልሲ ድማ ኣነን እቶም ኣብ ደገ ኴና ኣብ ሚድያ እናወጻእና ፍርድታት እንህብ ዘሎና፡ ንነብስና ሓቲትና መልሲ ክንረኽበሉ ይግባእ። እቲ ሕቶ ቀሊል ‘ዩ፡ ኣብ ሃገርና እዚ ዘይተደላዪ ኩነታት ንከይፍጠር እንታይ ኣበርክቶ ጌርና? እቲ ኩነታት ንከይፍጠር ሓላፍነት ክስከም ዘለዎ ኣካል መን ‘ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና ክንምልስ ምስ እንፍትን ጥራሕ ኢና ነቲ መልሲ ክንረኽቦ እንኽእል። ኣታ ብረት ተሓንጊጥካ ናጽነት ክዉን ዝገበርካ ሕጂ ሃገር ራሕሪሕካ ኣብ ደገ ትነብር ዘሎኻ፡ ኣንታ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኴንካ ብረት ተሓንጊጥካ ሃገር ዘውሓስካ ሕጂ ኣብ ፈቖድኡ ተበቲንካ ኮለል ትብል ዘሎኻ፡ ኣንታ ካብ ገድሊ ይኹን ካብ ኣገልግሎት ተኸዊልካ ኣብ ፈቖድኡ ፋሕ ኢልካ ትነብር ዘሎኻ ኩልኻ ኤርትራዊ፡ ንቦታኻ ኣብ ሳእኒ ናይ ‘ቶም ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ተዓስኪሮም ዘለዉ መናእሰይ ኣእቲኻ፡ ኣብ ቦትኦም ኴንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል ከም ዝነበርካ ንነብስኻ ሕተታ።

እቲ ኩነታት መልሲ ክትረኽበሉ ቀሊል ዝመስል ‘ኳ እንተ ኾነ፡ ንዘይትደልዮም ነገራት ኣብ ምጥፋእ፡ ነቒሕካን ሰጢምካን ብሓባር ክሳብ ዘይተቓሊስካ መልሲ ትረኽበሉ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ኣብ ክንዲ ኣብ ሕድሕድና ንዘላለፍን ኢድና ነወጣውጥን፡ ፍልልያትና ኣጽቢብና ሓቢርና ክንሰርሕን ክንመላላእን እንተ ዘይፈቲንና፡ ኣብ ክንዲ ናይ ዘረባ ናይ ግብሪ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ በብዝመጸ ኩነታት ተጸሊና ደድሕሪ ፍጻመታት ሸንኮለል እንብል፡ ኩነታት ኣጽኒዕናን ገምጊምናን ንኩነታት መሪሕና ናብ እንደልዮ መኣዝን ከነእንፍቶን ኣብ እንደልዮ ቦታ ከነብጽሖን ክንሰርሕ እንተ ዘይከኢልና ፈጺምና ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና።

ኲናት ብባህሪኡ ግናይ ‘ዩ፡ ክትጅምሮ ቀሊል ‘ዩ ክትወጸሉ ግን ቀሊል ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነ እቶም ገዲፍዎም ዝኸይድ ስምብራታት ‘ውን ብቐሊሉ ዝሃሱ ኣይኮኑን። ኣብ ኲናት ብዙሕ ሕማቕ ነገራት የጓንፍ፡ ገለ ኣብ መንጎ ተለኪሙ ዝጠፍእ ኣሎ፡ ገለ ድማ ኮነ ኢልካ ብዝፍጸም ተግባር ዝጠፍእን ዝሃልቕን ኣሎ። ነቲ ዘጋጥም ሕማቕ ተግባር ድማ ብቐዳምነት እቶም ነቲ ኲናት ዝወልዑ ሓላፍነት ይወስዱሉ።

ኣብ ‘ዚ ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ናይ ሓድሕድ ኲናት ቀዳሞት ተሓተቲ እቶም ነቲ ኲናት ዝወልዑ፡ መራሕቲ ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እዮም፡ (ብልዝብን ብምርድዳእን ክፍታሕ ዝግብኦ ክነሱ ናብ ኲናት ከም ዝዓርግ ብምግባሮም)፡ እቶም መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ጉጅለ ኢሳያስን ‘ውን ኣብ ‘ዚ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ክልል ትግራይን ዝጻሕተርዎ ናይ ሕድሕድ ኲናት ኢዶም ስለ ዘእተዉ ተሓተቲ ‘ዮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ይኹን ናይ ጾታዊ ዓመጽ፡ ንብረት ናይ ምዝራፍ ይኹን ናይ ምዕናውን ገበናት እንተ ኾነ ‘ውን፡ ቅድመ ፍርዲ ከይሃብና ኩነታት ተጸኒዑን ተመርሚሩን ንዝተፈጸሙ ናይ ኲናት ገበናት፡ እንተ ብደረጃ መሪሕነት ስዒቡ ‘ውን ብጉጅለ ወይ ‘ውን ብውልቀ ዝተፈጸሙ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነት ይወስዱሎም። ብሓፈሻ ሰራዊት ኤርትራ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ወያነ ገበነኛ ‘ዩ ኢልካ ሓፈሻዊ መደምደምታ ምብጻሕ ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብ ኩነታትና ተመሊሰ ክግምግም ከለኹ፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ን ”ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ” ከየማኸረ ብኢደ ዋኒኑ ባዕሉ እዩ ነዚ ናይ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሕድሕድ ኲናት ኣትይዎ። ንዝኾነ ከይሓበረ ዝፈጸሞ ተግባር ስለ ዝኾነ ድማ፡ ምኽንያት መእተዊኡ ንሱ ባዕሉ ክነግረና ስለ ዘይንጽበ፡ ካብ ‘ቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ኣገባባትን ዘሎ ህሉው ኩነታትን ተሞርኪስና ኢና ክንግምግምን ክንትንትንን እንኽእል። መጀመርታ፡ እቲ ምስ ኣብዪ ብመገዲ ስዑዲ ዓረብን ኢመረይትስን ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ኢሳያስ ዘሕለፎ በይናዊ ውሳኔ ምዃኑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኮይኑ፡ ነዚ ስምማዓት ‘ዚ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸጥታውን ረብሓታት ክረኽበሉ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ እዩ ኣትይዎ። ነቲ ምስ ኣብዪ ኮይኑ ካብ ሱዑዲን ኢመረይትን ዝረኸቦ ገንዘባውን ወተሃደራውን ደገፍ ተጠቒሙ ድማ፡ ኣብ ‘ቲ ኣንጻር ትግራይ ዝተወልዔ ኲናት ምሉእ ምትእትታው ጌሩ ቆጺርካ ዘይውዳእ ዕንወት ኣኸቲሉ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ቀንዲ ተሓተቲ ናይ ‘ዚ ጉዳይ ኢሳያስን እቶም ቀንዲ ኣሳሰይቱን ‘ዮም።
ኢሳያስ ከም ሰብ ናይ ብጾቱ ምኽርን ምዕዶን ነቐፌታን ዘይቅበል፡ ንነብሱ ልዕሊ ዓቕሙ ጌሩ ዝወስድ፡ ፈላጥ ‘የ በሃላይ ትምክሕተኛ ሰብ ‘ዩ። ንሱ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ይነብር፡ ካብ ጉድለቱ ኣይመሃርን፡ ጉድለታቱ ክነቕፍ ትብዓት የብሉን፡ ኣብ ፍርሒ ናይ ጉድለታቱ ተሓቢኡ ‘ዩ ዝነብር። ነዞም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ብኣብነታት ንምስናዮም፡ ኣብ ናይ ድሕሪ ገድሊ ተመኩሮና ድሕሪ G 15 ንግጉይ ኣካይዳ “መንግስቲ” ኤርትራ ምንቃፎም፡ ኢሳያስ ንዓታቶም ኣሲሩ ንባይቶ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ ባዕሉ ንበይኑ ኣፍሪስዋ፡ ስለ’ዚ ኢሳያስ ከማኽሮ ዝኽእል ሕጋዊ ኣካል የብሉን። ኣስዒቡ ‘ውን ቅዋም መይቱ ‘ዩ ኢሉና። ዝምርሓሉ ሕጊ ‘ውን የብሉን። ኢሳያስ ንባዕሉ “ሕጊ” ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ‘ቲ “ብእግዚኣብሄር ዝተቐብአ” ልዕሊ ሕጊ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለ ስላሰን ካብ ‘ዚ “ሓድሽ ንጉስ” ናይ ኢትዮጵያን ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

ኣብ ዘበነ ገድሊ እንተ ኾነ ‘ውን፡ ኣብ 1990 ነታ ከም መሳርሒ ኮይና ናብ ስልጣን ዘምጽኣቶ ሕብእቲ ሰልፊ ብሓንቲ ዘዋሪት መልእኽቲ ‘ዩ (Circular) ኣደስኪልዋ። እንደገና ኣብ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣብ ስልጣን ንክመጽእ ንክጥቀመላ ኣብ መጨረሽታ 1993 ሓንሳብ ኣጋቢኡ፡ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ምስ ተመርጸ ኣፍሪሱዋ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ንኣስታት 30 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ጉባኤን ምርጫን ከም “ፕረሲደንት” ሃገረ ኤርትራ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ናይ መንካዕ ተባሂሎም ዝተወስደ ሓባራዊ መሪሕነታዊ ውሳነን ስጉምትን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ የሚንን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ኣባላት መንካዕ ይኹን ኣብ ልዕሊ ብጻይ ጎይትኦምን ሰዓብቱን ዝተወስደ ናይ ሞት ውሳኔ፡ ብዘይ ዝኾነ ኣፍልጦ ናይ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ማእከላይ ሽማግለን – ህዝባዊ ሓይልታት – ዝተወስደ ናይ ኢሳያስ በይናዊ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።
The Hidden Party edited version. ሕብእቲ ሰልፊ ናይ እንግሊዝኛ ዝተኸለሰት መጽሓፍ ገጽ 52 ተወከስ።

ኣብ ዘበነ ገድሊ ኢሳያስ ድላዩ እናገበረ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣይተቓወምዎን ዝብል ወቐሳ ይቐርብ ‘ዩ። እቲ ወቐሳ ቅኑዕ ኮይኑ እቶም ዘይተቓወሙ ናታቶም ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከቕርቡ ይፍትኑ እዮም። ብወገን ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ‘ውን ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ይቃወሙ ነይሮምን ኣለዉን። ሕጂ ‘ውን ንሕና ኣብ ደገ ኴና ንቃወም ኣሎና። ክሳብ ሕጂ ግን ኩላትና ዝገበርናዮ ለውጢ የልቦን (ኢሳያስ ንሃገርና ከም ድላዩ የሽኮንድረላ ኣሎ)። ቃልስና ንዓሰርተታት ዓመታት ተጓዒዙ ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣይተረኽቦን። ስለዚ ስለምንታይ እዮም ለውጥታት ክመጽኡ ዘይከኣሉ ኢልና ኣብ ክንዲ ኣብ ጓል መንገዲ ኣላጊስና ኮለል ንብል ስለምንታይ ለውጢ ኣየምጻእናን ኢልና ንነብስና ንሕተት፡ ኣጻብዕትና ቅድሚ ናብ ካልኦት ምቕናዕና መጀመርታ ናብ ነብስና ነቕንዓየን ‘ሞ ነቲ ጠፊኡና ዘሎ መንገዲ ክንረኽቦ ኢና።

እዞም ዉሑዳት ኣብነታት ነቲ እዚ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ቁንጮ ናይ ናቱ ዝኾነ ኢሳያስ ዝወስዶም ዝነበሩ ውሳኔታትን ስጉምትታትን ንምብራህ ዝተጠቕሱ ኮይኖም፡ ናብ ‘ቲ ናይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ጣልቃ ኣእታውነትን ምኽንያቱን ተመሊስና ክንድህስስ ኢና።

እዚ ኲናት ‘ዚ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ መኽሰብን ክሳራታትን ኣስዒብሉ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ውን ብዙሕ ሓተታ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሞትን ብርሰትን ድኽነትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካብ ‘ዚ ቀዛፊ ኲናት ዝረኽቦ ዝኾነ መኽሰብ የልብሉን። ብኣንጻሩ ‘ኳ ደኣ፡ ኣብ ዘይምልከቶ ናይ ጎረቤት ሃገር ኲናት ሕድሕድ ተሸሚሙ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቀያሕትን ጸለምትን ኤርትራውያን መናእሰያት ቀለብ ኣሞራን ኣዛብእን ክኾኑ ቀሲብዎም ይርከብ ኣሎ፡ ገና ‘ውን ዝሃልቁ ክህልዉ ‘ዮም። ኣስታት ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ ህጻውንትን ደቀንስትዮን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ‘ውን ግዳያት ናይ ‘ዚ ኲናት ኮይኖም፡ ሞትን ዓመጽን ሕሰምን ድኽነትን ጥሜትን የጓንፎም ኣሎ። ስድራቤታት ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ኣብ ዘይወስድ እዋን ናይ ደቆም ናይ ቅትለት መርድእ ዝርድኡሉን ናይ ሓዘን ቴንዳታት ዝተኽሉሉን እዋን ነዊሕ ኣይክኸውንን ‘ዩ።

ስርዓት ኣስመራ ናይ ህዝቢ ሓላዪ ክመስል ንህዝቢ ኤርትራ ብኮቪድ ኣመኽንዩ ብምርጋጥ፡ ነታ ማእሪሩ መዓልታዊ ናብርኡ ንምዕንጋል ዝግልገለላ ዝነበረት ስርሑ ሓሪምዎ፡ ህዝብና ዝብላዕ ስኢኑ ብጥሜት ተዓጺፉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንህዝቢ ኣብ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ኲናት ጠጢቑ ካብ ‘ቲ ብኮቪድ ክመጽእ ዝኽእል ህልቂት ብዝተዓጻጸፈ ደረጃ ከም ዝሃልቕ ይገብሮ ኣሎ። ነቲ ኲናት ዘገልግል ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመቱ ኣጽዋራት እናሸመተ ‘ውን ሃብቲ ህዝቢ ክዞሩን ከባኽንን ንሪኦ ኣሎና። እዞም ናይ ስርዓት ኢሳያስ ቁንጮ መሪሕነት ኣሳሰይቲ፡ ደቆም ሓቒፎም ብደቂ እንዳማቶም ጠላዕ ክቋመሩ ህዝቢ ኤርትራ ዓይኑ ኣፍጢጡ ይዕዘብ ኣሎ።

ንምጥቕላሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ‘ዚ ኣዕናውን ኢሰብኣውን ኲናት ዝኸስቦ ነገራት እንተ ሃልዩ፡ ህልቂትን ድኽነትን ኮይኑ፡ ምስ ጎረቤት ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ጽልእን ቅርሕንትን ፈጢሩ ኣብ ዘይውዳእ ናይ ህልኽን ሕነ ምፍድዳይን ሓሸውየ እዩ ክኣቱ።
ብዓይኒ ሰብኣውነት ጠሚትና ምስ እንርእዮ ‘ውን፡ ከም ‘ቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ናይ በርኒንግሃም ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ናብ ‘ቶም መቓልስቱ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ “ፍትሒ ኣልቦነት ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ዝገሃድ፡ ኣብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ንፍትሒ ስግኣት ‘ዩ” ዝበሎ፡ እዚ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት(ኣብ ልዕሊ ትግራዎትን ኤርትራውያንን)፡ ንኹልና ዘሕምመናን ክንቃወሞ ዘሎናን ኮይኑ፡ እቲ ንሱ ዝፈጥሮ ቅርሕንቲ ‘ውን ብዙሕ ከኽፍለና ‘ዩ። ነገር ሓቂ ግን መጀመርታ ዕዮ ገዛና ምስ ኣጻፈፍና ጥራሕ ኢና ገዛ ናይ ጎረቤትና ኣብ ምጽራይ ክንተሓጋገዝ እንኽእል። ቀዳምነታትና ክንፈልጥን ጸገማትና ኣወጊድና ጸገም ናይ ካልኦት ኣብ ምውጋድ ክንተሓጋገዝ መታን፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣተ ሕጊ ነጊሱ ኩሉ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ክንገብር፡ ቅዋምና ከነተግብር፡ እሱራትና ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክንገብር፡ መራሕትና ክንመርጽ፡ ናይ ምዝራብን ሓሳብና ናይ ምግላጽን መሰል ክህልወና፡ ከም ድላይና ክንንቀሳቐስ ክንክእል . . . ወዘተ ጽባሕ ዘይብሃሎም ዕማማት ‘ዮም ዝጽበዩና ዘለዉ።

II. ጽልዋታት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብመንጽር ዞባናን ዓለምን

ጽልዋታት ናይ ‘ዚ ኲናት ብመንጽር ዞባናን ዓለምን እንታይ ይመስል? ዝብል ሕቶ ምምላስ ‘ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ኣንፈትና ፈሊጥና ኣብ ‘ቲ ንዓና ዝጠቅምን ከነድማዓሉ እንኽእል ስራሕ ንክንዋፈር ሓባሪ ‘ዩ።

ከባቢናን ዓለምን ኣብ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት እንታይ ረብሓታት ኣለዎም? እቲ ኩነታት ከ ንዓና ብኸመይ ይጸልወና ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ብዙሓት ፖለቲካውያን ተንተንቲ በብዝመስሎምን በብኸርብሖም ዝኽእል መንገድን ገሊጾሞ ኣለዉ። ኣብ ‘ዚ ብወገነይ በቲ ንዓና ከም ህዝቢ፡ ከርብሓና ይኽእል እዩ ኢለ ዝግምቶ ትንክፍ ኣቢለዮ ክሓልፍ ‘የ።

ኣብ ንኸባቢና ዝምልከት ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት፡ ሃገራት ዓለም ንረብሓ ሃገረን ኣቐዲመን ‘የን ዝምድናታት ዝፈጥራ። እቶም ረብሓታት [ቁጠባውን (መስመር ንግዲ፡ መራገፊ ወደባት፡ ውሕስነት መግቢ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ትሕተ ቕርጽታትን ወፍሪ ርእሰማልን . . .) ጸጥታውን (መዓስከራት ሓይሊ ባሕርን ኣየርን፡ ግብረሽበራን ናይ ባሕሪ ፈንጅታትን ሽፍትነትን . . .) ፖለቲካውን (ምዝርጋሕ ስነሓሳብን ክሊ ጽልዋታት ምስፋሕን . . . ወዘተ] ክኾኑ ይኽእሉ።

ሰብኣውነት ምስ ፖለቲካ ኣነጻጺርና እንተ ርኢናዮ ‘ውን፡ ንዲፕሎማስያዊ ሃልኪ እንተ ዘይኮይኑ ንጽድቂ ተባሂሉ ዝግበር ሃይማኖታዊ ዶግማ ኣይኮነን። ዲፕሎማስን መጽሓፍ ቅዱስን/ቁርኣንን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት ‘ዮም። ኩለን ሃገራት ዓለም ድማ – ካብ ‘ታ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እኽተል ‘የ እትብል ኣሜሪካ ጀሚርካ – ንሰብኣውነት ቅድሚ ረብሓታተን ሰሪዔን ኣይርእይኦን ‘የን። ምስ ረብሓታተን ተጋጪኻ ኣብ መንገደን ዕንቅፋት እንተ ዄንካ፡ ካብ ‘ቲ መገዲ ክትእለ ጥራሕ ‘ዩ ዘሎካ። ዕንቅፋት ክሳብ ዘይኮንካ ግን ንዓኻ ንምእላይ ግዜ የብለንን። ስለዚ ኩላትና ዕንቅፋትና ባዕልና ጥራሕ ኢና እንኣሊ፡ ዕንቅፋትና ካልኦት ክኣልያልና ክንጸበ ኣይግባእን። እንተ ኽኢልና ግን ጸላእትና ዕንቅፋት ከም ዝኾኑ ጌርና ከነጋጩን ክእለዩ ከም ዘለዎም ክንገብርን፡ ንሱ ‘ውን ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ዲፕሎማሲ ሜላ ‘ዩ።

ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ንምጥቕላሉ ዲፕሎማሲ ጥበብ ‘ዩ፡ ከመይ ጌርካ ምስ ካልኦት ተረዳዲእካን ተወሓሒጥካን ኩልኻ ረቢሕካን ትወጽእ፡ ኣብ ዘይትሰማምዓሉ እዋን ድማ ከመይ ጌርካ ካልኦት መሻርኽቲ ፈጢርካ ጸላእትኻ ከም ዝወድቁ ትገብር፡ ወይ ‘ውን ሓደ ሓደ ግዜ ተዓሚጽካ እናሃለኻ ክሳብ ዝደልወካ ዓይንኻ ጸቒጥካ እናሓንከስካ እትኸዶ ዝምድናታት ‘ዩ። ዲፕሎማሲ ኩሉ ሸነኻት ከሲቡ ንክወጽእ ዝግበር ናይ እንካን ሃባን ጸወታታት ይኹን እምበር፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ጸብለልታ ዘለወን ሃገራት፡ ረብሓታተን ንምርግጋጽ ጸቕጥን ዓሎቕን ምድንጋርን ተሓንጊጠን ይንቀሳቐሳ ‘የን ።

ኤርትራ ኣብ ‘ቲ ዓበይቲ ናይ ንግዲ መራኽብ ዝመላለሳሉ፡ ኣብ ከባቢ ናይ ‘ቲ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ ዝኾነ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዝጸበበ መላግቦ ናይ ባብ ኤል መንደብ ስለ ትርከብ፡ ሃገራት ዓለም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ንዓታተን ብኸርብሐን ዝኽእል መገዲ እየን ክጥቀማላን ክጥምትኣን ጸኒሐን። ሕጂ ‘ውን ረብሓታተን ክብ ንምባል ነዚ ዘሎ ጄኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ብኽረብሓሉ ዝኽእላ መንገዲ ክሰርሓሉ ክንቀሳቐሳ ንዕዘብ ኣሎና።

ሀ. እቲ ረብሓታት ብደረጃ ኣፍሪቃ ጠሚትና ምስ እንርእዮ፦

ኢትዮጵያ፡ – ኣብ ‘ዚ እዋን ልዕሊ 100,000,000 ህዝቢ ዘለዋ – ድሕሪ ‘ቲ ኣብ ኢህኣደግ ዓብላሊ ቦታ ሒዙ ብፈደራላዊ ምሕደራ ዝገዝእ ዝነበረ ናይ ህወሓት ፓርቲ ምእላዩ፡ ኣብ ‘ዚ እዋን ብናይ ብልጽግና ፓርቲ ብጠ/ሚ ኣብዪ ተመሪሓ ነቲ ዝነበረ ኣመራርሓ ብኣሃዳዊ ስርዓት ንምቕያር ኣብ እትነጥፈሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ረብሓታት ዘለዎም ብሄራትን ኣብ መንጎ ‘ቲ ኣሃዳዊ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ጉጅለን (ብልጽግናን ፈደራላውያንን) ጎንጺ ተፈጢሩ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ኣረኣእያታት ተጎዝያ ኣብ ናይ ሓድሕድ ኲናት ቅልውላው ተጸሚዳ ትርከብ ኣላ።

ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ካብ ናይ ኣውሮፓ ግዝኣታት ነጻነተን ይረኽባሉ ኣብ ዝነበራ እዋን፡ እዛ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ናይ ኣሜሪካ መሓዛ ዝነበረት ባሕሪ ኣልቦ ዝኾነት ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘይነበራ ጥራሕ ዘይኮነ ንናይ ኣሜሪካ ረብሓ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግምት ብዘእተወ መንገዲ፡ ኤርትራ ነጻነት ተሓሪምዋ ምስ ኢትዮጵያ ብፌደረሽን ከም ትቑረንን ስዒቡ ‘ውን ከም ሓንቲ ክፍለ ሃገር ናይ ኢትዮጵያ ኮይና ከምትልሕቕን ተጌሩ ‘ዩ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ብናይ ህዝባ “ስጡም” ቃልሲ ንመግዛእቲ ስዒራ ነጻ ሃገር ኮይና።

እታ ብወያነ (እታ ንናይ ኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ኴንካ ናይ ሓባር መንግስቲ ምቛም እትቃወም) እትመሓደር ዝነበረት ስዒባ ድማ በቲ ናይ ብልጽግና ፓርቲ መራሒ ብኮሎነል ዶ/ር ኣብዪ እትመሓደር ዘላ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ‘ቲ ብዶብ ተመኽንዩ ዝተፈጥረ ረጽምን ምስሕሓብን፡ ኣብ ‘ታ ብሚልዮናት ዝቑጸር ወጻኢታት ዝገብሩላ ናይ ጂቡቲ ወደብ እያ ክትጥቀም ጸኒሓን ዘላን። ነጻነት ኤርትራ ነቶም ኣኽረርቲ ኢትዮጵያውያንን ንኣሜሪካን ከሐጉሶም ይኽእል ኣይነበረን፡ ድሕሪ ሞት ጥዕና ቕበጽ ኮይንዎም ጥራሕ ‘ዮም ተቐቢሎሞ። ሕጂ ‘ውን እንተ ተኻኢሉ ብሓይሊ፡ እንተ ዘይተኻኢሉ ድማ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ተጠቒሞም ንገማግም ቀይሕ ባሕርን ንወደባት ኤርትራን ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ክጥቀሙለን ኣይጸልኡን ‘ዮም።
ክንዲ ዝኾነ ድማ፡ ድሕሪ ወያነ ተሳዒሮም ካብ ኣራት ኪሎ ወጺኦም ኣብ መቐለ ምዕስካሮም፡ ኩነታት ተቐይሩ እቲ ኢሳያስ ንነዊሕ እዋን ዝሓልሞ ዝነበረ – ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምጽንባር ሕልሚ – ምስ ናይ ኣብዪ ይኹን ምስ ናይ ኣሜሪካ ኣረኣእያ ስለ ዝገጠመ፡ ነዚ ኩነታት መዝሚዞም ብሽምግልነት ናይ ኣሜሪካ ኢሳያስን ኣብዪን ከም ዝቀራረቡን ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ከም ዝበጽሑን ተጌሩ።

– ናይ ኢሳያስ ድሌት በቶም ናይ ቀረባ መሳርሕቱ፡ ከም በዓል መስፍን ሓጎስን ካልኦትን ዝገልጽዎ ይኹን ባዕሉ ኣብ ቃለ ምልልሳት ክሳብ ናይ ፖለቲካዊ ውህደት ክንገብር ንኽእል ኢና ምባሉን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣፍልቡ እናሃረመ ሓደ ህዝቢ ኢና . . . ወዘተ ኢሉ ዝተዛረቦን ኩሉ ሰብ ዝተኸታተሎን ብሩህን ስለ ዝኾነ ሕጂ ኣይክደግሞን ‘የ።

– ናይ ኢትዮጵያውያን ኣረኣእያ እንተ ኾነ ‘ውን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝገልጽዎ ዝነበሩን ሕጂ ‘ውን ኣብ ‘ዚ ቀረባ መዓልታት ብደረጃ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣፈኛ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ጌሮም ዝደርጉሕዎን ነቲ ኩነታት ኣጸቢቑ ኣብሪህዎ ኣሎ።
– ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣረኣእያ ‘ውን – ሕጂ ምስ ምትእትታው ናይ ምብራቕ ዓበይቲ ሃገራት እንተ ዘይተዘናቢሉ – ካብ ‘ቲ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣጣቢቓ ተጠቃሚት ናይ ቀይሕ ባሕርን ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንኽትከውን፡ መጀመርታ ብደረጃ ፈደረሽን ስዒባ ‘ውን ከም ትልሕቕ ዝገበረት፡ ሕጂ ‘ውን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ቆሪና ንቀርኒ ኣፍሪቃ ክትቖጻጸርን፡ ናይ ጽልዋ ዓንኬል ከተስፍሕን ካብ ቅድም ኣትሒዛ ዝተጠቕመትሉን ሕጂ ‘ውን እትደልዮን ኮይኑ፡ እቲ ንኢሳያስ ምስ ኢትዮጵያ ንምርኻብ ዝገበረቶ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ‘ውን ኣዝዩ ብሩህ ይገብሮ።

ነቲ ዝተወጠነ ዕላማ ግሁድ ንምግባር ድማ ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ላዕልን ታሕትን ክበሃል ጸኒሑ። እቶም ብወገን ስርዓት ኢሳያስ ይኹን ብወገን ስርዓት ኣብዪ በብእዋኑ ዝቃልሑ ዝነበሩ – ሓንሳብ ተደምረናል ሓንሳብ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ሓንሳብ ኣነ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ‘የ፡ ሓንሳብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓይሊ ባሕሪ ክንምስርት ኢና፡ ዓሰብ ክንማቐላ ኢና፡ ኤርትራውያን ብነጻነቶም ሕጉሳት ኣይኮኑን . . . ወዘተ ዝብሉ በብግዚኡ ዝድርበዩ ዝነበሩ ሓረጋት መለማመድን መፈተሺ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራን እዮም ነይሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ ኩነታት፡ ማለት ነቲ ዝግበር ዝነበረ ርክባትን ስምምዓትን ይከታተሎ ይንበር እምበር፡ ትሕዝቶኦም ዘይተነጸሩን ስርዓት ኢሳያስ ብውልቁን ብስውርን ዝገብሮም ዝነበረ ስለ ዝኾኑ፡ ደፊሩ ከም ‘ዚ እዩ ክብሎም ይኽእል ኣይነበረን።

ኣብ ‘ዚ ናይ መጨረሽታ እዋን፡ ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ “ኤርትራውያን ብነጻነቶም ሕጉሳት ኣይኮኑን” ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ እታ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነትን ጽልዋን ዘለዋ፡ ደራፊትን ተላሃይትን ስነ ጥበባዊት ተጋዳሊት ዳሃብ ፋይድ ቲንጋ ሉንጊ (ፋቲንጋ) ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኣ ነቲ ናይ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ መግለጺ ኮኒና፡ ዶክተር ኣብዪ ይቕሬታ ክሓተሉ ኣለዎ ኢላ ምስ ተቓወመትን ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ክከላኸልሉ ፈቲኖም፡ ናይ ህዝቢ ከቢድ ተቓውሞ ‘ዩ ስዒቡ። ኣብ መጨረሽታ ተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብ መንጎ ‘ቶም ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ከይተረፈ ዘይምስምማዕን ዕግርግርን ስለ ዝተፈጥረ፡ እቲ ኣማዕድዩ ነቲ ናይ ህዝቢ ግብረ መልሲ ዝዕዘብ ዝነበረ ናይ ኢሳያስ ስርዓት፡ ኣብ ሸቐልቀል ኣትዩ እቲ ክገብሮ ዝደለየ ብቐሊሉ ክገብሮ ከም ዘይክእል ገምጊሙ፡ ናይ ዲፕሎማሲ ስልታዊ ምዝላቕ ጌሩ። ነቲ ብኣፍ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣፈኛ ጌሩ – ንኣረኣእያ ናይ ህዝቢ ንምልምማድን ንምፍታሽን – ዘቃልሖ መግለጺ ከም ዝኹንኖ መሲሉ ሰሚናራትን ጎስጓሳትን ኣብ ምግባር ኣትዩ።

ከም መቐጸልታ ናይ ‘ቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓባራዊ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ደገ ‘ውን ነዚ ናይ ምትሕንፋጽ ስራሕ ንምቅልጣፍ፡ ብምትሕብባር ናይ ኩለን ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓለም ደረጃ ርክባት እናተኻየዱ፡ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ባንዴራታት እናምበልበሉ ብዝተወደበ መንገዲ ሓቢሮም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱን ተኣንጎት ተሸብሸብ እናበሉ እንድድሽ ክብሉን ጸኒሖም ኣለዉ።

ንሱ ከይኣኽሎም ‘ውን፡ ነቲ ዝግበር ጎስጓሳት ዘሳስያ ካብ ኩለን ኤምባሲታት ናይ ኤርትራ ዝተዋጽአ ሓደ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይ ሚድያ ኮሚተ መስሪቶም ጎስጓሳት የካይዱ ኣለዉ። ናይ ‘ዚ ኮሚተ መሳርሒ ዝኾነት ብስም ኤምባሲ ሚድያ እትፍለጥ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበራ ናይ ዩ ቱብ መርበብ፡ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት ዓዲማ ቃለ መጠየቕ ኣግቢራቶ። ኣብ ‘ቲ ቃለ መሕትት ብርሃነ ነቲ ናይ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ “ኤርትራውያን ነታ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለዩላ መዓልቲ ኣየኽብርዋን ‘ዮም፡ ሕጉሳት ኣይኮኑን” እትብል ዝሃባ ወግዓዊት መግለጺ ምላሽ ክህብ ከሎ “ግጉይን ኣብ ዘይእዋኑ ዝወጸን” እዩ ኢሉ ‘ዩ “ክኹንና” ፈቲኑ።

ኣነፋፍራ ቆቓሕ ዘይፈልጥ ‘ሲ ኣይሃዳናይን ድዮም ዝብሉ ኣቦታትና፡ እዚ “ኣብ ዘይእዋኑ ዝወጸ መግለጺ” መዓስ ደኣ እዩ ክወጽእ ነይርዎ ኢለ እየ ተገምጢለ ንብርሃነ ክሓቶ። ወሓጥዮ እንተ በልክዋስ መሊሳ ትጎስሞ፡ እቲ ወግዓዊ ብዘይኮነ መንገድታት ንኤርትራ ዝሓወሰ ካርታ ኢትዮጵያ ብምዝርጋሕ ይኹን፡ ቀይሕ ባሕሪ ናትና እዩ እናተባህለ ወግዓዊ ብዘይኮነ መንገዲ ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ሓለምቲ ክቃላሕ ዝጸንሐ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ተቓውሞ ኣይተገበረሉን ኣብ ዝብል ግጉይ ግምታዊ መደምደምታ ኣትዮም ‘ዮም ሕጂ ብወግዓዊ መንገዲ ብኣፈኛ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጌሮም ከውሕጡና ፈቲኖም። ናይ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ዓባይ ኢትዮጵያ ኢምቦራጦርያዊ ሕልሚ እምበኣር፡ ካብ ‘ዚ እዋን ንላዕሊ በጣዕጣዕ ኢሉ ደሚቑ ዝወጸሉ እዋን ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ስርዓት ኣስመራ ንናይ ህዝቢ ረስኒ ብግቡእ ኣይዓቀኖን፡ ነቲ ብስቱር ምስ ኢትዮጵያውያን ዝኣተዎ መብጽዓ – ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምጽንባር ሓሳብ – ኣብ ህዝብና ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል እዩ ኢሉ ገሚቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝቃላሕ ምስ ገበረ ድማ ተቐባልነቱ ባይታ ዘቢጡ ደገፍቱ ከይተረፉ ‘ዮም ክብድህዎ ጀሚሮም። ስለዚ ‘ዩ ድማ ቁንጮ ህግደፍ ስልታዊ ምንስሓብ መሪጹ። ኣንሳሒቡ ይኹን እንደገና ተመሊሱ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንብራ ፍጹም ኣይክእልን ‘ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደቂ ሓንቲ ላምን ፍርያት ሓንቲ ግራትን ስለ ዝኾኑ።

ንሓባራዊ ዕብየት ዝዓዪ ትካል ኢጋድ ፡ – ንቀርኒ ኣፍሪቃን (ኤርትራ ኢትዮጵያ ጂቡቲ ሶማልያ) ንገለ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን (ኬንያን ኡጋንዳን) ኣብ ናይ ኒል ተፋሰስ ዘለዋ ሃገራትን (ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን) ዘጠቓለለ ትካል ‘ዩ። ናይ ኢሳያስ ኢምበራጦርያዊ ጥሙሕ ኣብ ትካል ኢጋድ ደረጅኡ ታሕቲ ወሪዱ ነቲ ውድብ ከም ድላዩ ክዝውሮ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ናብ ‘ቲ ክቆጻጸሮ እኽእል ‘የ ዝበሎ ዓንኬል ወሪዱ፡ ዝምድናታቱ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልን ብመጠኑ ድማ ምስ ደቡብ ሱዳን ሓጺርዎ ይርከብ። ክሳብ ወተሃደራቶም ኣብ ኤርትራ እናኣምጽአ ‘ውን ከሰልጥነሎም ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ድማ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓድሕድ ኲናት ኢዱ ኣእትዩ ነታ ዕንቅፋት ዝኾነቶ ህወሓት ወቒዑ ሕኒኡ ንምፍዳይን (ነቲ ኣብ ናይ ዶብ ግጭት ዘጓነፎ ፍሽለት) ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ኣእትዩ ጅሆ ሒዙ ዕምሪ ስልጣኑ ንከናውሕን፡ ኣብ መጨረሽታ ድማ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣላጊቡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጎብለል ኮይኑ ንክወጽእ ዝነበሮ ሕልሚ ‘ዩ።

እዚ ጉጅለ ‘ዚ ካብ ‘ዚ ኣተሓሳስባ ወጺኡ፡ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ይኹን ካልኦት ዕብየታት ፈጺሙ ሓሲቡ ኣይፈልጥን። ካልእ ይትረፍ ነተን ካብ ዘመናት ኣትሒዘን ንጡፋት ኮይነን ዝዓያ ዝነበራ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ‘ውን ከንቀሳቕሰን ኣይከኣለን። እቲ ናይ ወደብ ዓሰብ ናብ መዓስከር ምቕያር ስዒብና ኣብ ታሕቲ ክንርእዮ ኢና።

ናይ ኒል ተፋሰስ ሃገራት፡ – ብዝያዳ ንግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝጸሉ ኮይኑ፡ ንኤርትራ ሓዊስካ ክሳብ ርዋንዳን ብሩንዲን ዝዝርጋሕ ን 11 ሃገራት ጠቓልል ‘ዩ። እዘን 3 ዝያዳ ተጸለውቲ ዝኾና ሃገራት፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሚለንዩም ናይ ህዳሰ ሓጽቢ ዝፈጠሮ ናይ ማይ ተጠቃምነት ምስሕሓብ ፈጢሩለን ይርከባ ኣለዋ። ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ሓጽቢ በቲ ንሳተን ዝደልይኦ መንገዲ ንከኺድኦ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት መዝሚዘን ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ። ሱዳንን ግብጽን ነቲ ናይ ሓላየብ ስሉስ ኩርናዕ ናይ ዶብ ናይ ይብጽሓኒ ምስሕሓብ ንጎኒ ኣጽኒሐን፡ ኣብ ‘ቲ ዝያዳ ዘገድሰን ኣብ ጉዳይ ናይ ፈለግ ኒል – ናይ ‘ቲ ካብ ቀላይ ጣና ተበጊሱ ዝፈስስ – ኣድሂበን፡ ናይ ጸጥታን ወተሃደራውን ምትሕግጋዝ ክገብራ ይረኣያ ኣለዋ። ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ረጽሚ መዝሚዛ ‘ውን ሱዳን ንኽልተ ረብሓታት፡ ዶብ ኣመኽንያ ኣብ ዝኣተወቶ ኲናት ግብጺ ኣብ ጎና ጠጠው ኢላ ኣላ። ነዚ ኩነታት ህወሓት ‘ውን ክትምዝምዞ ትፍትን ኣላ፡ እንተ ሰሊጥዋ ‘ውን እዚ ሓደ ካብ ‘ቲ ንናይ ኢትዮጵያ ጸጥታ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ንኤርትራ ዝጸሉን ኩነታት ኮይኑ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ዝምድና፡ ንዝምድና ኤርትራ ምስ ሱዳንን ግብጽን ከሐሽክሮ ዝኽእል ኮይኑ፡ ኣብ ‘ዚ ሰዓት ‘ዚ ስርዓት ኣስመራ ኣንጻረን ገጢሙ ከዋጽኦ ከም ዘይክእል ፈሊጡ፡ እቲ ዝምድናታት ኣጸቢቑ ንከይሕርፍፍ ኣይውዑይ ኣይዝሑል ጌሩ ዓይኑ ጸቒጡ ክሓልፎ ይፍትን ኣሎ። ኣብዪ ‘ውን ነቲ ምስ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብዙሕ ይጸቕጠሉ የልቦን። ኣብ ‘ዚ ኩነታት ‘ዚ ጉዳይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዋላ ‘ኳ ኣብዚ ሕጂ ዝሓሸ ዘቀራርብ ኩነታት እናተፈጥረ ይመጽእ ይሃሉ፡ ገና ካብ ስራሕ ቦኺሩ፡ ካብ ባይታ ርሒቑ ኣብ ሚድያ ነንሕድሕዱ ኣብ ምብላዕ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ።

ኢሳያስ ነዚ ናይ ሚለንዩም ሓጽቢ ምስራሕ ዝቃወሞ ዝነበረ ናይ ብሓቂ ናይ ኣጠቓቕማ ማያት ተጣባቓይ ኮይኑ ዘይኮነ፡ ነቶም ነዚ ሓጽቢ ንክህነጽ ዘበገስዎ ኢህኣደግ (ወያነ) ነጺልካ ወቒዕካ ካብ ሱዳንን ግብጽን ዲፕሎማስያዊ መኽሰብ ንምርካብ ዝገብሮ ዝነበረ ጸወታ እዩ ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ ምስ ዶክተር ኣብዪ ዕርክነት ምምስራቱ ግን ብዙሕ ይጸቕጠሉ የልቦን። እዚ ኣርእስቲ ‘ዚ ግን ሓደ ካብ ‘ቶም ጽባሕ ንግሆ ክትኮሱን ብዙሕ ጸገማት ክፈጥሩ ዝኽእሉን መፍትሒ ዘይተረኽበሎም ኣርእስትታት ኮይኑ ክቕጽል ‘ዩ። ዛጊት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ኣብ ዝተገብረ ሽምግልና ምስምማዕ ኣብዮም ነፈርቲ ግብጺ ኣብ ሰማያዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክዝምብያ ይረኣያ ኣለዋ።

ለ. ንኤርትራ ምስ ማእከላይ ምብራቕ ኣዛሚድና ምስ እንርእያ ፦

ኣብ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት፡ ብምዕራብ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ብምብራቕ ድማ ሱዑዲን የመንን ‘የን። እተን ብብዝሒ ነዳዲ ዘፍርያ 7 ሃገራት ከልጅ /ወሽመጥ ፐርሽያ/ ‘ውን ናይ ቀረባ ተጠቀምቲ ናይ ‘ተን ኣብ ‘ቲ ጋብላ ዘለዋ ሃገራት ብምዃነን፡ ዘሎናዮ ቦታ ካብ ‘ዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ነጺልካ እትሕዞ ጉዳይ ኣይኮነን።

ኤርትራ ኣብ ‘ዚ ጋብላ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ምስ የመን ኣብ ጉዳይ ደሴታት ሓንሽ ረጽሚ ፈጢራ እቲ ኩነታት ኣብ መጋባእያ ዓለም ተሸምጊሉ ብኽሳራ ተዓጽዩ። ካብ ‘ዚ ሓሊፉ ‘ውን ሓሓሊፉ ምስ የመንን ግብጽን ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝግበር ዝነበረ ነኣሽቱ ምስሕሓባትን ምስ ጅቡቲ ዝተፈጥረ ፍርይ ዝበለ ጎንጽን እንተ ዘይኮይኑ፡ ዘጋጠሙ ካልኦት ዓበይቲ ጎንጽታት ኣይነበሩን። ስዒቡ ስርዓት ኢሳያስ ንዓሰብ ከም መዓስከር ንኢመረይትስ ኣካርዩ፡ ኣብ ‘ቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ (ናይ 9 ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ልፍንቲ) ብኣሜሪካን ዓዲ እንግሊዝን ስዒቡ ‘ውን ብፈረንሳ ካልኦትን ዝተደገፈ ኣብ የመን ኣብ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ነቶም ብኢራንን ሕዝቡላህን ዒራቕን ዝድገፉ ሑቲ ወቒዕካ ንናይ ሃዲ መንግስቲ ንምምላስ ኣብ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ምትእትታው ጌሩ። ዓሰብ ከም መናሃርያ ናይ ነፈርቲ ኲናትን መራኽብን ኮይና ንከተገልግል ኣፍቂዱ። ኪኑኡ ሓሊፉ ‘ውን ኣብ ‘ዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፡ ናይ ኢመረይትስ ድሮናት ካብ ዓሰብ እናተበገሳ ደብዳባት ከም ዘካይዳ ጌሩ።

ህወሓት እንተ ኾኑ ‘ውን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ኣቓልቦ ረኺቦም ዕምሮም ንከናውሑ፡ ኣብ ‘ቲ ኲናት ኤርትራ ጣልቃ ኣትያ ኣላ ተመልከቱለይ ዝዓይነቱ ሮኬታት ናብ ኤርትራ ወንጪፎም። ህወሓት ግን ኣብኡ ጥራሕ ኣይተሓጽሩን፡ ኣብ ሚድያ ‘ውን ዝተወሃሃደን ዝተጋነነን ፕሮፖጋንዳ ብምግባር ኣቓልቦ ዓበይቲ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ትካላትን ክስሕቡ ክኢሎም ‘ዮም። እዚ ምንቅስቓስ ‘ዚ ድማ ምስ ናይ ትራምፕ ምእላይን ናይ ጆ ባይደን ምምጻእን፡ እቲ ምስ ዓበይቲ ናይ ምብራቕ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ምውድዳር፡ ነቲ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ወዲኑ፡ መኣዝኑ ክቕይርን ዳግማይ ንክመዓራረን ድርኺት ፈጢሩሉ ኣሎ። ከም ሳዕቤን ‘ውን ናይ ኢመረይትስ ካብ ዓሰብ ምውጻእ ከም ፈላሚ ምልክት ተራእዩ ኣሎ።

ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ኣብ ‘ቲ ናይ የመን ግፍዕታት ኣጽዋር ብምሻጥ ይኹን መራኽብ ናብ የመን ንከይኣትዋ ዓጽየን ከም ዘይነበራ፡ ሕጂ ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ኢሰብኣዊ ተግባራት ክጻረን፡ ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ‘ውን ካብ ትግራይ ንክወጹ ጸቕጥታት ክገብራ ይረኣያ ኣለዋ። እዚ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይግበር ኣብ ዘሎ ምሽማው፡ ከም በዓል ቻይናን ህንድን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ጂቡቲ መርገጺ ባይታ ረኺበን ክሳብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ርእሰማለን ከዋፍራን ከስፋሕፍሓን ምዕዛቦም ንምዕራባውያን ሃገራት ኣሰኪፍዎም ይርከብ።

ኤርትራ ነዚ ናይ 2,250 ኪሎሜተር ዝርግሐ ዘለዎ፡ ዝተፈላለዩ ዓሳታትን ጨውን ካልእ ማዕድናት ዝርከቦ ሃብታም ዝኾነ ገማግም ባሕርን ወደባትን (ባጽዕን ዓሰብን) ማርሳታትን ደሴታትን ኣብ ዕብየት ዘድሃበ ምዕባለ ንኸይትገብር፡ እቲ ካብ መዓስከርን ቀጠልያ ክዳን ዩኒፎርምን ኣርሒቑ ክሓስብ ዘይክእል ናይ ኢሳያስ ስርዓት ዓፊኑ ምስ ሓዛ እየን በዓል ኢመረይትስ ከም መዓስከር ክካረይኦ በቒዔን። ቅድሚኡ ግን ዝተፈላለያ ዓበይቲ ሃገራት ኣብ ደሴታት ኤርትራ ይኹን ኣብ ገማግም ባሕሪ ናይ በጻሕቲ ኣጋይሽ (ቱሪዝም) ወፍርታት ከካይዳ ሓቲተን ተኸልኪለን ዘይተፈቕደለን። ናይ ሽሪምፕ ጋብላታት ተደፊኑ፡ ፋብሪካ ስሚንቶ መኺኑ፡ ነጻ ወደብ ንክስራሕ ዓሰርተታት ዓመታት ተኸሊሉ ዝኾነ ናይ ዕብየት ኣሰር ኣየርኣየን፡ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ናይ ንግዲ ህንጻታት ክህነጽ ኣብ ገማግም ዝነበረ ገዛውቲ ፈሪሱ ክሳብ ሕጂ ዝተቐየረ ነገር የልቦን . . . ወዘተ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ባዕሉ እቲ ናይ ስርዓት ኣስመራ ቁንጮ ዝኾነ ኢሳያስ ባጽዕ የለ ዓሰብ የለ ኢሉና፡ መዓስከርን ቤት ማእሰርትን የልቦን ግን ኣይበለናን።

ንምዕባለ ምስ እትሓስብ ጥራሕ ኢኻ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ዕዉት ኴንካ ትወጽእ። እዚ ስርዓት ስለምንታይ እዩ ንዕቤት ዘይሓስብ ኢልካ ጥራሕ ‘ውን ዝስገር ኣይመስለንን፡ ካልእ ምኽንያት ‘ውን ኣለዎ። ስለ ‘ዚ ኣብ ክንዲ ኣብ ትንታነታት ጥራሕ እንሕጸር ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባሌታት ኣብ ዝተጨበጡ ኣሃዛት ተምርኪስና ክንዛረብ ክንክእል መታን ዲፕሎማስያውን ሓበሬታውን መርበባትናን ንጥፈታትና ኣዕዚዝና፡ ምንጭታትና ከነስፍሕን ነቲ ምኽንያት ብኹሉ ሸነኻቱ ከነጣልሎን ካብ ‘ቶም ጽባሕ ዘይበሃሎም ዝጽበዩና ዘለዉ ዓበይቲ ዕማማት ሓደ ‘ዩ።

ሐ. ረብሓታትና ብደረጃ ዓለም፡ –

ኩለን ሃገራት ዓለም ተጠቀምቲ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ይኹና እምበር፡ ኣብ ‘ዚ ምስ ጄኦ ፖለቲካዊ ኩነታትና ተኣሳሲረን ጽልዋ ከንብራ ዝኽእላ ዝተወሰና ፍሩያት ሃገራት ክትንክፍ ‘የ። ማያዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ብሱወዝ ካናል ሓሊፉ ብማእከላይ ባሕሪ ጌሩ ብጂብላርታል ናብ ኣትላንቲክ፡ ብባብ ኤል መንደብ ድማ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝሕውስ ንክልተ ዓለማት ዘራኽብ፡ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ዝጸዓና መራኽብ ዝመላለሳሉ ማያዊ መስመር ‘ዩ። እዚ ንብረት ‘ዚ ካብን ናብን ብዉሑስ ክመላለስ ንመብዛሕተእን ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ንሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣውሮፓን ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ዓቢ ናይ ጸጥታዊ ወፍሪ ከካይዳ ረብሓ ኣለወን። ካብ ‘ዚ ወጻኢ ‘ውን ስነሓሳበን ሸይጠን፡ ጽልዋታተን ከዕብያን ንዕኡ ተጠቒመን ድማ ባህርያዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ ኽግብታ፡ ሕሱር ጉልበት ክሽምታ፡ መዓልቦ ሰደድ ዕዳግእን ንክረኽባ፡ እተን ናይ ዓለምና ገዘፍቲ ሓይልታት ዝበሃላ ከም በዓል ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ፈረንሳ፡ ቱርኪ፡ ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን እተን ብዓበይቲ ሓይልታት ዝዝወራ ከም በዓል፡ ሱዑዲን ኢመረይትስን ረብሓታተን ከረጋግጻ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ።

ኤርትራ ኣብ ‘ዚ ንዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ቦታ ንበይና ተንጠልጢላ ክትነብር ኣይትኽእልን ‘ያ፡ ስለዚ ኣብ ናይ ዞባዊ ውህደት ስትራተጂ ኣትያ ክትዋሳእ ግድነት ‘ዩ። እንተ ኾነ፡ መጀመርታ ዕዮ ገዛኻ ኣጻፊፍካን ህዝብኻ ብግቡእ ኣመሓዲርካን ጥራሕ ኢኻ ድሕሪኡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ምስ ከባቢኻን ዓለምን ንረብሓ ሃገርካ ኣቐዲምካ ክትዋሳእ እትኽእል። ስርዓት ኢሳያስ ግን ንህዝቢ እናኣዳናገረ ጥራሕ እዩ ንዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኣብ ውልቃዊ ረብሕኡ ከውዕሎ ዝፍትን ዘሎ።

ስለ ‘ዚ እዞም ረብሓታት ክረጋገጹ መታን፡ ቀዳማይ ዕማምና ነዚ ጨፍላቒ ስርዓት ኣሊና ንህዝብና መስተርሆት ምፍጣር ምዃኑ እንድሕሪ ተረዳዲእና፡ ከም ‘ቲ ኣብ ስሳታት መንእሰያት ኤርትራ “ኣሳፊሕካ ሞት ‘የ ተኾርሚኻ ሞት ’የ፡ ባሕሪ ዘይትወርድ ንሓደ ዓመት ‘የ” ጨሪሖም ነጻ ኤርትራ ክውንቲ ዝገበሩ፡ ሕጂ ድማ መንእሰያት ለንዘበን ኣብ ክንዲ ኣብ ‘ቲ ካብ ናይ ገድሊ ሓሳረ መከራ ዝኸፍእ ናይ ምድረበዳ ሃሮሩማን፡ ኣብ ‘ቲ ሓምቢስካ ዘይስገር ናይ ማእከላይ ባሕሪ ዓሚቕ ጥልቀት ዘለዎ ማያትን ቀለብ ዓሳታትን ቀለብ በደዊንን ትኾኑ፡ እቶም ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን እንተ ኾና ‘ውን ኣብ ክንዲ ናይ ኢንተርነት ኣናብስን ናይ ወረቐት ኣናብርን ኴና፡ ንቆይቅን ጸርፍን ሕላገትና ንገብር፡ ሃየ ሓቢርና ኸቲትና ሃገርና ነድሕን።

እቲ ብኸመይ መንገዲ ኢና ተጠሚርና ክንውደብን ክንሰርሕን እንኽእል ዝብል ኣርእስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እዚ ዕማም ነቶም ምሉእ ግዚኦም ኣወፍዮም ክንውድብን ክንጥርንፍን ንኽእል ኢና ኢሎም ክውፈዩ ዝኽእሉ ናይ ፖለቲካ ወለንተኛታት ሰባት ዝግደፍ ይኹን እምበር፡ ዝኾነ ክሓቑፈና ዝኽእል ናይ ሓባር መትከላት (ትግባረ ክመዓራረ መንገዲ ዝኸፍት ቅዋም፡ ምፍታሕ እሱራትናን ግዝኣተ ሕግን፡ ናይ ክትመርጽን ክትምረጽን መሰል ምህላው፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል ስርዓት ምትካል . . . ወዘተ) ማእከል ጌርና ክንጥርነፍ ጽባሕ ዘይበሃሎ ዕማም ‘ዩ።

እቲ ቅድሚኡ ክግበር ዘለዎ ዝዓበየ ስራሕ ግን ነብሲወከፍና ንነብስና ኣብ ‘ቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክንቅርባን ኣብ ‘ቲ ንናይ ኤርትራ ረብሓ ምቕዳም መንፈስ ክንዓስልን ይግባእ። ከም ‘ቲ ናይ ዓለም ተመኩሮታት ዝምህረና ድማ ኣብ ክንዲ እልቢ ዘይብለን ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን . . . ፈጢርና ኣብ ርእሲ ምውሓድና ተበታቲና ኣዚና ንውሕድ፡ ኣብ ዝተወሰናን ዓበይትን ጽፉፋትን ውዳበታት ክንጥመር ዝተመርጸ ይኸውን።

እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ሰፊሕን ገና ብኩሉ ሸነኻቱ ክብርበር ዘለዎን ኮይኑ፡ ንግዚኡ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብግቡእ ተገንዚብናን ብዝሰፍሐ ጠሚትናን ክንገጥሞ ከም መባእታ ኮይኑ ንክሕግዘና፡ ርእይቶታትን ሓሳባትን ቀሪብሉ ሰፊሑ ናብ ዝሓሸ መኣዝን ንክመርሓና መወከሲ ክኾነና ዘቕርቦ ዘለኹ ሓሳብ ‘ዩ።

ነብሲ ወከፍና ድማ ነቶም ኣብ ቃልሲ ክዕንቅፉና ዝጸንሑ፡ እቲ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ዘተኣታተዎም ድሑራት ኣተሓሳስባታት ኣወጊድና ኣቃላልሳና ከነመዓራሪ፡ ኣይፋል ንጸቢብነት፡ ኣይፋል ንፍርሒ፡ ንቕንኢ፡ ንሕሳዳ፡ ንጸለመ (ኢድ ምውጥዋጥ) ኢልና፡ ነዞም ናይ ኣቦዋትና ባህርያት ዘይኮኑ ኤርትራዊ መበቆል ዘይብሎም ድሑራት ባህልታት ወጊድ ኢልና ክብርታትና ክንመልስ፡ ሓቢርና ብሓደ ድምጺ ወጊድ ንዓመጽ! ወጊድ ንምልኪ ኢልና ክንብገስ ይግባእ።

እቲ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ዓቕምን ክእለትን ዘይብሉ ጋኔን ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ድኽመታት ‘ዩ እናኣሽካዕለለ ዝነብር ዘሎ። ነዚ ክንገብር እንተ ተበጊስና ድማ ኤርትራ ምሉእ ዓቕምን ብቕዓትን ስለ ዘለዋ እቲ ጉዕዞ ነዊሕ ኣይክኸውንን ‘ዩ። ቃልሲ ውጹዕ ህዝቢ ተዓዋቲ ‘ዩ እሞ ሃየ ሃገር ከይጠለመትና ኢደይ ኢድካ ንበል እናበልኩ ሓሳባተይ ይዓጹ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ኤርትራ ዘልኣለም ከቢራ ትንበር!
ጸጉ ፍስሃየ ባህታ

Shares

Related Posts

Archives

Cartoons

Shares